ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክልካል ሕማም ዓሶ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ


ኣስተምህሮ ንምኽልኻል ሕማም ዓሶ ኣብ ትግራይ
ኣስተምህሮ ንምኽልኻል ሕማም ዓሶ ኣብ ትግራይ

ሚያዝያ 25 ዝተከብረ ዓለምለኸ መዓልቲ ሕማም ዓሶ 'ሕማም ዓሶ ንሓዋሩ የኽትም' ብዝብል ቴማ ትካል ጥዕና ዓለም(WHO) ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ።

​ኣብ ኤርትራ ጻዕርታት ምኽልኻል ሕማም ዓሶ ዓቢ ዓወት እንተረኽበ'ዃ ፈጺምካ ንምውጋድ መደብ ተታሒዙ ይስርሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ምውጋድ ሕማም ዓሶ ትገብሮ ጻዕርታት ብዝምልከት ምስ ሓላፊ መደብ ሃገራዊ ምቁጽጻር ዓሶ ኣቶ ሰላም ምሕረትኣብ ዝተኻየደ ቃለ-ምልልስ ካልኣይ ክፋል ኣብዚ መደብ ዝተጠቓለለ'ዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ንድምፂ ኣሜሪካ ብመሰረት ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሕማም ዓመታዊ ካብ 20 ክሳብ 28 ሚእታዊት ይንክይ’ሎ።

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ዓ.ም ኣብ ሓምሳ ወረዳታት ኢትዮጵያ ሕማም ዓሶ መሊእኻ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ፅቡቕ ለውጢ የርእይ ምህላዉ እውን ኣይተ ገብረመድህን ተዛሪቦም።

ኣብ ሕብረተሰብ ዝስራሕ ዘሎ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ኣስተምህሮን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሜላታት ምክልኻል ተግባራዊ ምግባርን ነቲ ለውጢ መበገሲ ከምዝዀነ እውን ይግለፅ’ሎ።

ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጓነፈ ሓደጋ ድርቂ ዓሶን ካልኦት ተላበድቲ ሕማማት ከይለዓሉ ጥቡቕ ክትትል ስለዝተገብረን ንህፃናት ንምምጋብ ዘኽእል ሜላ ኣመጋግባ መዓዛዊ መግቢ ግብራዊ ስለዝዀነን ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝተመዝገበ ሓደጋ ሞት ከምዘይየለ’ውን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግና ኣይተ ገብረመድህን ኣብ ሕጂ እዋን ኣብ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ ማይ ይወቅዕ ስለዘሎ ልዕሊ ሰሙን ዝዓቆር ማይ ከይረአ ህዝቢ፣ሰብ ሞያን ኣማሓደርትን ብትኹረት ክከታተሉን ዕቑር ማይ ከወግዱን ምዒዶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምክልካል ሕማም ዓሶ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:32 0:00


XS
SM
MD
LG