ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ሕማም ዓሶ ከምዝተራእየ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ምልክታት ሕማም ዓሶ ከምዝተራእየ ተሓቢሩ። ኣሶሴይትድ ፕረስ እቲ ተርእዮ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝረኣ ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።

ማእከል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ፍሎሪዳ ኣርባዕተ ብሕማም ዓሶ ዝተተሓዙ ሰባት ምምዝጋቡ: ሓደ ድማ ኣብ ቴክሳስ ክርከብ ምኽኣሉ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውፀኦ ጥዕናዊ መጠንቀቕታ ሓቢሩ'ሎ።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ከምዝብልዎ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣታት ዝርከቡ ሓኻይም ከባቢኦም ነታ ሕማም ዓሶ እተመሓላልፍ ዓይነት ጣንጡ ምቹእ ብምዃኑ በቲ ሕማም ናይ ምልካፍ ተኽእሎታት ዝዓበየ ምዃኑ የጠንቅቑ። ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ንኸቢድ ሕማም ዓሶ ዝወሃብ ፈላማይ ብርኪ ሕክምና IV ARTESUNATE ዝረኽብሉ ኩነታት ክመዓራረ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ትካል ወሲኹ እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ግቡእ ሕክምና ረኺቦም ጥዕነኦም ይመሓየሽ ምህላዉ ገሊፁ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 2000 ብዓሶ ዝሓመሙ ኣመሪካውያን ሕክምና ዝረኽቡ ኮይኖም መብዛሕትኦም ካብተን ሕማም ዓሶ ልሙድ ዝኾነለን ሃገራት ዝመፁ ተጉዓዝቲ እዩም። ካብ 1992 ኣብ ኣመሪካ 11 ሰባት ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ለበዳ ሕማም ዓሶ ተታሒዞም ዝነበሩ ኮይኖም ናይ መወዳእታ ዝነበረ ተርእዩ ግን ኣብ 2003 ኣብ ፓልም ቢች ፍሎሪዳ ዘጓነፈ ኾይኑ ሸሞንተ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ምንባሮም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG