ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጽረት መድሃኒታትን ጎንጺን ንመልከፍቲ ዓሶ ክልል ኦሮሚያ ብ20% ኣዛዪዱ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ በበይኑ ቦታታት ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ምቍራጽ ሓገዛትን ተደማሚሩ ንለበዳ ሕማም ዓሶ የጋድዶ ከም ዘሎ ንሰብ-መዚ ጥዕና እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን ጥቅምቲን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 7.3 ሚልዮን ዜጋታት ኢትዮጵያ ብሕማም ዓሶ ተለኺፎም። ካብኣቶም እቶም ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራይ ምንባሮም ዘመልከተ እቲ ዜና፡ 1.157 ሞት’ውን ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።

መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20% ምውሳኹ ዝገልጹ ሰብ-መዚ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ፡ ስእነት መድሃኒትን ጎንጺ ዘብኣሶ ምትዕንቓፍ ኣገልግሎታትን መሊሱ ከም ዘግደዶ የመልክቱ።

ዓመተ 2024 ምናልባት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ መልከፍቲ ዓሶ ዝተራእየላ ዓመት ክትከውን ከም እትኽእል ዘመልከተ ዘይመንግስታዊ ትካል ዶብኣልቦ ሓካይም፡ ሕጂ ምስ ምቍራጽ ሓገዝ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) እቲ ኩነታት ክጋደድ ከም ዝኽእል ይእመን። እቲ ትካል ኣቐዲሙ 40% ናይ ጠቕላላ ዓለማዊ ሓገዝ ብምጥፋእ ሕማም ዓሶ’ዩ ዝምውል ነይሩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG