ዋሽንግተን —
ኣብዚ ዓመተ 2023 ኣስታት 249 ሚልዮን ሰባት ብዓሶ ተታሒዞም፡ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝነበረ 223 ሚልዮን ኣዝዩ ወሲኹ ማለት`ዩ።
ዶ/ር ዳኒኤል ንጋሚየ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ፕሮግራም ምክልኻል ዓሶ ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ክገልጽ ከሎ፡ ዓሶ ንምንካይ ተታሒዙ ዝነበረ ቁልፊ ስትራተጂ ንድሕሪት ሸታሕ ክብል ጀሚሩ`ዩ ይብል። ኣስዒቡ ናብቲ ዝተለምናዮ ሸቶ ክንምለስ እንተኾይና፡ ምደባ ገንዘብ ክነዕቢ ከምኡ`ውን ፖለቲካዊ ድልውነት ከነርኢ ኣለና ይብል።
ብመሰረት`ቲ ሪፖርት ካብ መንጎ ዓበይቲ ስግኣታት ኮይኑ ዘሎ ለውጢ ክሊማ`ዩ። ወሰኽ ሙቐት ወሰኽ ነዝዕን ዝናብን ንጠባያት ምንባር ጣንጡ ኣበራቢርዎ `ሎ ይብል። ማዕበላት ሙቐትን ውሕጅን ካልእ ጠንቂ `ዩ ዝበለ ሪፖርት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንፓኪስታን ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ኣብ 2022 ኣብታ ሃገር ምትሓዝ ዓሶ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ምውሳኹ ይገልጽ።
ቅጥዒ