ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ትማሊ ሓሙስ ምምላሱ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ጣሪቅ ኣል ሲካ ዝበሃል ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ከምተወስዱ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ፈረደሪካ ሞርገኒ ኣብ ብራስለስ ዝኻየድ ዘሎ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ :ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ዓማሚ ሓይሊ ቀንዲ ዕላምኡ ንምዕጻው ኣብ ሊብያ ዝርኸቡ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛትት ምዃኑ ሓቢራ ኔራ።

መብዛሕትኦም ብሊብያ ኣቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ኣውሮጳ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ካብ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ይፍለጥ።

ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት በዚ መንገዲ ኢጣልያ በጺሖም'ዮም።

XS
SM
MD
LG