ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕሩጭ ኮሚደረ ዝሐሸ ሜላ እታወት


መደብ ሕርሻ

ኮሌጅ ሕርሻ ማይጨው ኣብ ሕብረተሰብ ንዝራኣዩ ፀገም ኣፅኒዑ ሜላታት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ይርከብ::ንኣብነት ሓረስታይ ኮሚደረ ብበዝሒ ምስ ኣፍረየ ዕዳጋ ይጸግብ ኮሚደረ ብበዝሒ የበላሾ:: ነዚ ጸገም እዚ ንምቅላል እምበኣር መምሃርን እቲ ኮሌጅ ኮሚደረ ተጣሒኑ ናብ ረብሓ ክውዕል ገይሮም ኣለዉ::

መራሒ ከይዲ ስራሕ ምርምርን ስግግርን ቴክኖሎጂ እቲ ኮሌጅ መምህር ተካ ገብረ ብዛዕባ እዚ እንትዛረቡ “ዓሰርተ ሓሙሽተ ጥረ ኮሚደረ ሓደ ኪሎ ጥሑን ኮሚደረ ኮይኑ ተሰናዲኡ’ሎ” ይብሉ::

ጥሑን ኮሚደረ ድማ ብዘይካ ጨው ካልእ ዝኾነ ይዅን ቅመም ወይ ካዓ ዕድመ ዘናውሕ ከሚካል ከይተሓወሶ ሓደ ዓመት ከምዝፀንሕ እቶም ባዓል ሞያ ተዛሪቦም::

ጥሑን ኮሚደረ ግዜን ጉልበትን ከም ዝቑጥብ ከምኡ እውን ብኽነት ከም ዝከላኸል ተገሊጹ’ሎ::

“ኮሚደረ ይሕፀብ፣ ካውኡ ኣብ ክልተ ይኽተፍ፣ፍሪኡ ይወፅእ፣ ብድሕሪኡ ጨው ነስኒስካ ተሰጢሑ ይነቅጽ ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ሽሮ ወይ በርበረ መጥሓን ወሲድካ ተጥሕኖ” ኢሎም መምህር ተካ ብዛዕባ ሕሩጭ ኮሚደረ ከመይ ከምዝሰናዳእ እንትገልጹ::

ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ካልኦት ንህዝቢ ዝጠቕሙ ሜላታት ውጽኢት ሕርሻ ኣብ ምምሃዝን ምስንዳእን ከምዝርከብ ድማ ተፈሊጡ’ሎ::

XS
SM
MD
LG