ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊ መሓመድ ወርዲ፡ ህቡብ አፍሪቃዊ ደራፋይ'ዩ ይብሉ አጋይሽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ኣብ ሰሜናዊ ሱዳን ከም ዝተወለደ ዝንገረሉ መሐመድ ዋርዲ ዝሓለፈ ቀዳም አብ ሱዳን ከም ዝዓረፈን ሰንበት ከም ዝተቀብረን ተገሊፁ'ሎ።

መሓመድ ዋርዲ ኣብ ሃገሩ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምሉእ አፍሪቃን አዝዩ ተፈታዊ'ዩ ኔሩ ክብሉ ድምፃውያን መምህር አልአሚን ዓብደለጢፍን ሓጎስ ገብረህይወትን ምስ ሬድዮ ድምፂ ሎሚ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም።

ሞት መሓመድ ወርዲ ንሱዳን ጥራይ ዘይኮነስ ንሙዚቃ አፍሪቃ ዓብይ ጉድአት'ዩ እውን ኢሎም።

ንሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG