ዋሽንግተን —
ኣብ ጀርመን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሓደ ናይ በዓል ልደት ዕዳጋ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠረ ስዑዳዊ ብክስታት ቅትለት ተታሒዙ ኣብ ዝርከበሉ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ድማ ተሪር ሕግታት ክወፅእ ፀዊዑ ኣሎ።
ኣብ ጀርመን ሓደ ሰብ ብመኪና ኣብ ናይ በዓል ልደት ዕዳጋ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ብውሑዱ ንሓሙሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ቅድሚ እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ጉዳይ ድሕንነትን ስደተኛታትን ትኹረት ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ከም ብሓድሽ ክልዓል ገይሩ ኣሎ።
ሰዓቢ እምነት እስልምና ዝነበረን ሃይማኖቱ ዝቐየረን ፀረ-ሃይማኖት እስልምና ፅሑፋት ብምውፃእ ዝፍለጥ ንርሑቕ የማናይ ፓርቲ ኦልተርኔቲቭ ንጀርመን (AFD) ዝድግፍን ወዲ 50 ዓመት ስዑዳዊ በዓል-ሞያ ስነ-ኣእምሮ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝደረኾ ምኽንያት ገና ኣይተፈለጠን። እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2006 ናብ ጀርመን ዝኣተወን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ረኺቡ ብሞይኡ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ኣኽረርቲ ሰባት ምስ ዝፍፅምዎ ልሙድ መግለፂ ከም ዘይሰማማዕ'ውን ሰበስልጣን'ታ ሃገር ይዛረቡ።
ቅጥዒ