ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብ"ማእከላዊ" ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተዓጽዩ


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ብልሙድ ‘’ማእከላዊ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ፌደራል መመርመሪ ቤት ማእሰርቲ ሎማ ምዕፃው ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ሃገር ፀብፂበን።

ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ሎሚ መስቀይቲ ዝተፈፀሞም ዝዛረቡ ሰባት ግን ‘’ ማእከላዊ ምዕፃው ከይኮነስ ተግባር መስቀይቲ ደው ምባል እዩ’’ ኢሎም ኣለው።

ምዕፃው ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ዝገለፃ መራኸቢ ማዕኸናት ውሽጢ ሃገር ከምዝሓበርኦ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ናይ መወዳእታ እሱራት ምሉእ ብምሉእ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ኣለው።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቲ መመርመሪ ማእኸል ከምዝዕፆን ናብ ሙዚየምነት ከምዝቕየርን ምግላፁ ይዝከር።

ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ ማእኸል ምርመራ መስቀይቲ ተፈፂሙና ዝበሉ ሰባት ግን እቲ ማእኸል ምዕፃው ከይኮነስ ኣብቲ ውሽጢ ዝፍፀም መስቀይቲ ክተርፍ ምግባር እዩ ይብሉ።

ከቢድ ምቕጥ ቓጥ ከምዝተፈፀማን ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐትን ዝገለፀት እማዋይሽ ኣለሙ እቲ ምዕፃው ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከይኮነስ እቲ ተግባር ናይ ምቕፃል ዘይምቕፃልን እዩ ትብል።

“ሎሚ ማእከላዊ ምዕፃው ኣይኮነን።ማእከላዊ ተዓፂዩ ካልእ ማእከላዊ እንተድኣ ተኸፊቱ ለውጢ የብሉን።ክኸውን ዘለዎ ንሰባት ብምቕጥቃጥ ምእማን ከምዘይክኣል ኣስሚሮም ድሕሪ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ምርመራ ስርዓት ከምዘይህልው ክገልፁ ኣለዎም።ኣብቲ ውሽጢ ዘለው ሰባት መሊሶም ንወዲ ሰብ ከሳቕዩ ከምዘይብሎም እዩ። “

ምናልባሽ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ተረዲኦም ለውጢ ከምፅኡ እዮም ኢለ እግምት እየ ኢላ’ላ።

ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ‘’ነገረ ኢትዮጵያ’’ ዝነበረ ጌታቸው ሽፈራው ናይ ማእኸላይ እሱራት ቤት ፍርዲ እናቐረቡ የቕርቡዎ ዝነበሩ ጥርዓናት ይፅብፅብ ከምዝነበረን ንባዕሉ እውን ኣብቲ ማእከላዊ ተኣሲሩ ዝነበረን እቲ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ዝቕፅል ወለዶ ዘይምሕላፉ ሓደ ነገር ኮይኑ ማእከላዊ ከም ህንፃ ምዕፃው ትርጉም የብሉን ይብል።

ኣብቲ ማእኸል ግፍዒ ዝተፈፀሞም ይቕሬታ ምሕታትን ካሕሳ ምኽፋልን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብ"ማእከላዊ" ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ምዕጻው ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG