ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢላን ማስክ ኣብ ምርጫ ምትእትታው የካይድ ኣሎ ክብል ፕረ. ፈረንሳ ከሲሱ


ኢላን ማስክ
ኢላን ማስክ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ቢልየነር ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዝኾነ ኢላን ማስክ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዝካየድ ናይ ጀርመን ምርጫ ሓዊሱ ኣብ ምርጫታት ምትእትታው የካይድ ኣሎ ክብል ሎሚ ሰኑይ ከሲሱ።

ማክሮን ንኣምባሳደራት ፈረንሳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ወናኒ ሓደ ካብ ዝዓበየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ኣብ ዓለምለኸ ምንቅስቓሳትን ኣብ ጀርመን ሓዊሱ ብቐጥታ ኣብ ምርጫታት ምትእትታው የካይድ ኣሎ ተባሂሉ እንተዝንገረና መን ምሓሰቦ ነይሩ?’’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፈረንሳ ድልዱል መሻርኽቲ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ከይር ስታርመር ኣብ ሰሜናዊ እንግሊዝ ንዝተፈፀመ ታሪኻዊ ገበናት ምግሳስ ብዝምልከት ካብ ኢላን ማስክ ንዝቐረቦም መጥቓዕታት ብምክልኻል "ሓሶት ዘስፋሕፍሑ" ንዝበሉዎም ሰባት ብትሪ ነቒፎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG