ናይ ፈረንሳይ ሓዲሽ ፕሬዝዳንት እማኑኤል ማክሮን ብክረምሊን ንዝምወል RT ን Sputnikን ናይ ‘’ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ’’ ክብሉ ፀዊዖምወን።እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ፕሬዝዳንት ምስ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ፈላማይ ገፅ ንገፅ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም እዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ፈረንሳይ ኣብዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ፑቲን ናይተን ዝተስዓራ የማናይ ፖለቲከኛ ማሪን ለ ፔን ደጋፊ ኣብዝተብሃልሉ እዋን እዩ ነዚ ዝገለፁ።ኣብ ልዕሊ ናይ ማክሮን ወፍሪ ምርጫ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኮምፒተር ምስ ሩሲያ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤት መንግስቲ ቨርሰይልስ ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ፑቲን ንቶም ክስታት ነፂጎምዎም ኣለው።