ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሪያክ ማቻር ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም " ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት


ናይ ደቡብ ሱዳን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሪያክ ማቻር ካብታ ሃገር ወፂኦም ናብ ጎረቤት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ /DRC/ ከምዝሃደሙ ምናልባሽ እውን ሓሚሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝበፅሐና ዜና ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ፍርሃን ሃቅ ሎማዕንቲ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ማቻር፣ብዓልቲ ቤቶምን ሒደት ሰባት ዝሓዘ ጉጅለን ዝሓለፈ ማዕልቲ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም ኣለው ኢሎም።ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ተልእኾ ሕቡራት መንግስትታ ኣቐዲሙ ከምዝፈለጠ ተሓቢሩ’ሎ።እቲ ጉጅለ ካብ ዶብ ሪፓብሊ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ናብ ውሽጢ ኮንጎ ንክኣቲ ንመንግስቲ ሕቶ ቀሪቡ እዩ።እቲ ቦታ ኣበይ ከምዝኾነ ግን ሕቡራት መንግስታት ዕላዊ ኣይገበረን።

‘’ንሪያክ ማቻር፣ብዓልቲ ቤቶምን ካልኦት 10 ሰባትን ብሰብኣዊ ምኽንያት ምስ ሰበስልጣን ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምዃን ካብ DRC ናይ ምውፃእ ስርሒት ብተልእኾ ሕቡራት መንግስታት ይካየድ ከምዘሎ ከረጋግፀልኩም እደሊ’’ ክብሉ ሃቅ ንሪፓርተራት ገሊፆም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣብዚ ስርሒት ጊደ ከምዘይነበሮ ወሲኾ ሓቢሮም።

ማቻር ሕክምና ዘድልዮም እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ሃቅ’’ዘድልዮም ሕክምና ክንህቦ ፀኒሕና ኣለና ኢሎም።ኣብ DRC ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ንሪያክ ማቻር ክረኽቡዎም ከለው ሓሚሞም፣ቆሲሎም ወይ ድማ ክልቲኡ ኮይኖም ከምዝነበሩ ምንጭታት ንቪኦኤ ሓቢሮም ኣለው።

ሪያክ ማቻር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ተሓቢኦም እዮም ፀኒሖም።

XS
SM
MD
LG