ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሉና ሰሎሞን -- ስግር ሳሃራን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኦሎምፒክ ፓሪስ


ሉና ሰሎሞን -- ስግር ሳሃራን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኦሎምፒክ ፓሪስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:56 0:00

ሉና ሰሎሞን -- ስግር ሳሃራን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኦሎምፒክ ፓሪስ

ኤርትራዊት ሉና ሰሎሞን ኣባል’ታ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ስደተኛታት’ያ። ኣብ ጨመተ ተዅሲ እትወዳደር ዘላ ሉና ጓል 21 እንከላ’ያ፡ ምድረ-በዳ፡ ባሕሪን ካልእ መሰናኽልን ሰጊራ ብስደት ኤውሮጳ ኣትያ። ሉና በቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ሳሃራ ን10 መዓልታት ተጓዒዛን ድሕሪኡ ድማ በቲ ዘይውሑስ ማእከላይ ባሕሪ ኣቢላ’ያ ናብ ኤውሮጳ በጺሓ።

ሎሚ 30 ዓመታ ዝመልአት ሉና፡ ኣብ ናይ 10 ሜትሮ ርሕቀት ጨመተ ተዅሲ’ያ እትወዳደር ዘላ። ነቲ ዝሓለፈቶ መሪር ጕዕዞን ዘንጸባርቕ፡ ንኣሽሓት ከምኣ መንገዲ ሓሊፎም ንዝመጽኡ ሚልዮናት ስደተኛታት ወኪላ ድማ ኣብዚ ኦሎምፒክ ንጋንታ ስደተኛታት ወኪላ ትሳተፍ ኣላ።

“ጨመተ ተዅሲ ቀሊል ኣይኰነን፡ ግን ኣተኵሮ ሓንጎል ይሓትት” ትብል ሉና ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት። ኣብ ጨመተ ተዅሲ ዓቕሊን ህድኣትን ከም ዘድሊ ሉና ትነግር። እዚ ዝመጽኣትሉ ጕዕዞ ህይወት’ውን ነዘን ክልተ ኣብነታት ብፍሉይ ዘጕልሕ’ዩ።

ሉና ካብታ ተደጋጋሚ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝርኣየላ ኤርትራ’ያ መጺኣ። ካብታ ትሽዓት ውሉዳት ዘለዋ ስድራ’ያ ኣብ ኤርትራ ዓብያ። ኣብ ታሕሳስ 2014 ድማ ምስ ካልኦት መሓዙታ ካብ ኤርትራ ሃዲማ። ፓስፖርት ኰነ ካልእ ሰነዳት መገሻ ስለ ዘይብላ ድማ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ሳሃራን ማእከላይ ባሕሪን ብእግራ ጀሚራቶ። ምድረ-በዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕሪ ሰጊራን ድማ ኣብ መወዳእታ ኢጣልያ ኣትያ። ካብኡ ጕዕዞኣ ናብ ስዊዘርላንድ’ያ ቀኒዓ።

መንገዳ ኣዝያ ሓደገኛ ምንባሩ እትነግር ሉና፡ ብሰላም ኣብ መዕረፊኣን ውሑስ ቦታን ምብጻሓ ከም ተኣምር ትርእዮን ምስጋና ንኣምላኽ ትገልጽን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ በጽሐት’ውን ንሉና እቲ መስርሕ ቀሊል ኣይነበረን። ናይ ስደተኛታት ወረቐት ክትረክብ ሰለስተ ዓመታት ወሲዱላ። ድሕሪኡ ግን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ምስ ኢጣልያዊ ናይ ኦሎምፒክ ሰለስተ እዋን ተዓዋቲ ጨመተ ተዅሲ ኒኮሎ ካምፕሪያኒ ተራኺባ። ንሱ ድማ ጨመተ ተዅሲ ከሰልጥና ዘለዎ ድሌት ገሊጹላ።

ፈለማ ሉና ግር ከም ዝበላ’ያ እትሕብር። “ኣብ ሃገረይ ብረት ኣልዒሉ ዝትኵስ ካልእ ሰብ ንክቐትል እምበር፡ ከም ስፖርት ንኽወዳደር ኣይኰነን፡” ትብል ሉና። ሕጂ ግን ብረት ካብቲ ዘፍርሕ መቃተሊ መሳርሒ ወጺኡ ንስፖርትን ክጠቅም ምርኣያ ድማ ሩፍታ ይፈጥረላ። ኣብቲ ሓሳብ ርዒማ ድማ ክትቅጽል ወሲና።

ንሳ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክትቀራረብ እንከላ፡ ምስ ተመሳሳሊ ጋንታ ስደተኛታት ክትሳተፍ ነቒላ ነይራ። ዓለምለኸ ኮሚተ ኦሎምፒክ ንጋንታ ስደተኛታት ንፈለማ እዋን ኣብቲ ኣብ ሪዮ-ዲጀኔሮ ብራዚል’ዩ ፈለማ ከም ጋንታ ርእሳ ክኢላ ክትወዳደር ኣጽዲቑ። ከም ኣገላልጻ እቲ ኮሚተ፡ ጋንታ ስደተኛታት ነቶም ካብ በበይኑ ሃገራት ጎንጺን ካልእ ሽግራትን ሰጊሮም ናብ ውሑስ ቦታ ዝኣተዉ ትስፉዋት ኣትለታት ነቲ ኣብ ሃገራቶም ዝሰኣኑዎ ዕድል፡ ዳግም ንምብርባር’ዩ።

ተዓዋቲ ጨመተ ተዅሲን ኣሰልጣኒን ኒኮሎ ካምፕሪያኒ ምስ ንሉናን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰሉ ስደተኛታትን ከሰልጥን ምስ ጀመረ ነቲ ሓድሽ ምዕራፍ ብጽቡቕ መንፈስ ከም ዝጀመረቶ ሉና ትሕብር። “ሕጂ ዳርጋ ከም ስድራ ኢና። ኒኮሎ ፍቕሪ ስፖርት ንኽሓድረኒ ዓቢ እጃም’ዩ ተጻዊቱ፡” ትብል። ካምፕሪያኒ ግን ብዛዕባ ኣበርክቶኡ ኣትሒቱ’ዩ ዝዛረብ። እቶም ካብ ስደተኛታት ዝተዋጽኡ ተወዳደርቲ ነጠብታ ኣብ ማይ ባሕሪ ምዃኖም ይኣምን። ንሳቶም ክፈጥሩዎ ዝኽእሉ ጽልዋን ጽቡቕ ኣብነትን ግን ንሚልዮናት ብጽቡቕ ክጸሉ ዝኽእል’ዩ ድማ ይብል።

ሉና ኣባል ጋንታ ስደተኛታት ኰይና ፈለማ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ’ያ ተሳቲፋ። ኣብኡ ካብ ካልኦት መወዳድርቲን ተዓዘብቲን ዝርኣየቶ ፍቕሪን ሓልዮትን ኣዝዩ ኣተባባዒ ምንባሩ ትነግር። ነቲ ዝሓለፈቶ መሪር መንገዲ ሰጊራ፡ ነቶም ከምኣ ስደተኛታት ወኪላ ኣብዚ ዝዓበየ መድረኽ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ ምኽኣላ ብሓበን ትገልጽ፡ ንኻልኦት ብኣብነት ክትጸሉ ድማ ተስፋ ትገብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG