ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

136 ሃገራት ዝተሓተ ግብሪ ዓለምለኸ ኮርፖሬታት 15 ሚእታዊት ክኸውን ተሰማሚዐን


ውድብ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን /
ውድብ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን /

ዓበይቲ ዓለምለኸ ኩባኒያታት እንተወሓደ 15 ምእታዊ መጠን ግብሪ ክኸፍሉን ግብሪ ከይኸፍሉ ዘኽእሎም ኩነታት ክውገድን ኣብ ቀረባ 136 ሃገራት ተሰማሚዐን ኣለዋ።እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ ዓለም ብዙሕ መንገዲ ይፅበያ ኣሎ።

ውድብ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን /Organization for Economic Cooperation and Development, OECD/ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ድርድር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 136 ሃገራት ዓለምለኸ ሕግታት ግብሪ ንምምሕያሽ ተሰማሚዐን ኣለዋ ።

ሓደ ካብኦም ዓመታዊ እቶተን ልዕሊ 870 ሚሊዮን ዶላር ዝኾና ኩባኒያታት 15 ምእታዊ ዓለምለኸ ናይ ኮርፖሬት ግብሪ ክኸፍላ ዝብል እዩ።እቲ ካልኣይ ዓበይቲ ዓለምለኸ ኩባኒያታት ዋና ኣብያተ ፅሕፈተን ንዝርከባሉ ሃገራት ከይኮነስ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሃገራት ክኸፍላ ኣለወን ዝብል እዩ።

ምምሕዳር ባይደን ነቲ ስምምዕ ደጊፉዎ ኣሎ።ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ።

‘’እዚ ዓለምለኸ ስምምዕ ኮርፖረሽናት ዝበለፀ ስራሕ ክዓዩ ከምዝኽእሉን ዝተረፈ ዓለም ከምዝሰማማዕ መረጋገፂ እዩ’’ እየን ኢለን።

ደገፍቲ እቲ ስምምዕ ናይ ኮርፖሬት ግብሪ ትሕት ንክብልን ኩባኒያታት ትሑት ግብሪ ኣብ ዘኽፍሉ ከባቢታት ከይደን ክሰርሓን ዘተባብዕ ኣሰራርሕ ንዓሰርታት ዓመታት ይካየድ ዝነበረ ጉያ ዝልውጥ እዩ።ቴክኒካዊ ዝርዝራት ግን ገና ኣይተወገነን።

ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኢንተርፕራይስ ላዕለወይቲ ክኢላ ከይል ፖመርሊዩ እቲ ኣፈፃፅማ ከመይ ዕውት ከምዝኸውንን ንናይ ዓለምለኸ ናይ ግብሪ እቶትን ናይ ኩባኒያታት ትርፍን ከመይ ከምዝፀልዎን ንቕድሚት ዝርአ እዩ ኢለን።

እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተወሓደ ክሳብ 2023 ኣ\ፈ ምፅባይ ከድሊ እዩ።ቻይናንን ኣየርላንድን ሓዊሱ ገለ ፈረምቲ ሃገራት እቲ ሕዚ ዘሎ ናይ ግብሪ መተባብዒ ክቕፅል ይደልያ።

ብመሰረት ምኽትል ፕሬዝዳንት ታክስ ፋውንዴሽን ዳንኤል በን ብዙሓት ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባ ዝርከባ ሃገራት እቲ ልዝብ ክቕፅል ድልየት ኣለወን።

ውድብ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን OECD እዚ ናይ ሓዱሽ ናይ ግብሪ ደረት በብዓመቱ ተወሳኺ 150 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ዝገብር እዩ።

ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባኒያታት ግን ብብዙሓት ሕድገታት ኣቢሎም ዝርብሕሉ እዩ ክኸውን ይብሉ OXFAM ሓዊሱ ዓለምለኸ ተሓለቕቲ።

ናይ OXFAM ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፖሊሲ ዲድየር ጃኮብስ ‘’ዘይሩ ዘይሩ እዚ ዓለምለኸ ናይ ግብሪ ኣሰራርሓ ዘይግቡእ ምሕባእ ግብሪ ክንኪ ዝገብር ስለዝኾነ ንኹለን ሃገራት ዝጠቅም እዩ።ግን እዚ ናይ ግብሪ ስርዓት ብጭቡጥ ዝረብሕ ኣብ ሓፂር እዋን መብዛሕቲኦም ወይ ዳርጋ ኩሉ ንሃብታም ሃገራት እዩ’’ ኢሉ።

እቲ ዓለምለኸ ናይ ግብሪ ስምምዕ ብናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ክፀድቕ ኣለዎ።ሪፓብሊካዊያን እቲ ሕጊ ከይፀድቕ ክንኽልክሎ ኢና ክብሉ የጠንቅቑ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG