ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ብሕጂ ካብቲ ባርዕ ብህይወት ዝተረፉ እንተረኺብና ተኣምራት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል" ኮሚሽነር መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን


ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረሳ መይ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ህንጻ ሎንዶን ዘጋጠመ ባርዕ ንምፍላጥ ሙሉእን ግሉጽን ምርመራ ክካየድ ኣዚዘን። ዛጊት ካብቲ ቦታ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ሬሳ 17 ሰባት ከምዝተረኽበን ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ነቶም ክሳብ ሕጂ ድሃዮም ዘይተረኽበ ንምርካብ ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረሳ መይ፤ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሰመዐን ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ሙሉእን ግሉጽን ምርመራ ክካየድ ኩሉ ዘድሊ ክማላእ ምዃኑ ድማ ኣፍሊጠን።

ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ሎንዶን እቲ ብባርዕ ዝተሃሞኸ ግረንፈል ዝተባህለ ህንጻ ሙሉእ ብሙሉእ ውሑስ ዘይምንባሩ ገሊጾም ኣለው። ኮሚሽነር መጥፋእቲ ሓዊ ዳኒ ኮተን ካብቲ ባርዕ ክወጹ ዘይከኣሉ ምንባሮም ብምሕባር ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ'ሎ። ብሕጂ ካብቲ ባርዕ ብህይወት ዝተረፉ ናይ ምርካብ ተኽእሎኦም ግን ዝማህመነ ምዃኑ ገሊጾም ኣለው። " ብሕጂ ካብቲ ባርዕ ብህይወት ዝተረፉ እንተረኺብና ተኣምራት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል" ድማ ኢሎም።

እቲ 27 ዝደርቡ መንበሪ ህንጻ ግረንፈል ልዕሊ 600 ሰባት ይቕመጡሉ ምንባሩ'ዩ ተሓቢሩ። ህንጻ ግረንፈል ኣብ 1970 ዓ.ም ከምዝተሰርሐ ብተወሳኺ ተገሊጹ ኣሎ።

ዛጊት ካብ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ብሪጣንያ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ብኸመይ እቲ ባርዕ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ጠቕላላ'ቲ ህንጻ ክልሕም ምኽኣሉ'ዩ።

ህንጻ ግረንፈል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከንሲንግተን ዝርከብ ኮይኑ መብዛሕትኦም ተቐማጦ'ቲ ህንጻ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ምኻኖም ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

እቲ ህንጻ ካብቲ ኣብ ዓለምና ዝኸበረ ኣባይቲ ዝርከበሉ ክፋል ከተማ ለንደን ሒደት ጎደናታት ፍንትት ኢሉ ከምዝርከብ ድማ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG