ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንፈረንስ ለንደን ኣብ ጉዳይ ሶማል

ንዳግማይ ህንጸትን ምርግጋእ ሶማል ዓለምለኸ ድጋፍ የድልይ’ዩ፡እዚ ምስ ዘይኸውን ግን እታ ሃገር ናብ ኣቐዲሙ ዝነበረ ስርዓት ኣልቦትነት ክትምልስ ትኽእል’ያ ክብሉ ተሳተፍቲ ሎሚ ዝተጋብአ ኮንፈረስ ለንደን ኣብ ጉዳይ ሶማል ሓቢሮም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ ንብደርቂ ዝተጠቕዓት ሶማል አስታት 900 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልይ’ዩ ኢሎም።

ፕረዝደንት ሶማል መሃመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ብወገኖም እታ ብኩናትን ዕግርግርን ዝባደመት ሃገሮም ንምምዕባል ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ቁጠባ መደብ ከምዝደልያ ሓቢሮም።

እቲ ሎሚ ሓሙስ 11 ግንቦት,2017ዓ.ም ኣብ ለንደን ዝተጋብአ ኮንፈረንስ ኣብ ምምዕባል ጸጥታ፡ ሰናይ ምምሕዳርን ቁጠባ ሶማል ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኾረ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ።


XS
SM
MD
LG