ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሕተ ምድራዊ መጎዓዝያ ባቡር ለንደን ብግብረሽበራዊ ነታጒ ተጠቒዑ


ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ለንደን
ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ለንደን

ኣብ ለንደን ርእሰ ከተማ ዓዲ እንግሊዝ ሳብወይ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መጎዓዝያ ትሕተ ምድራዊ ባቡር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ: ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ትሕተ-ምድራዊ መጎዓዝያ ባቡር ለንደን ብውሑዱ ን 18 ሰባት ጉድኣት ከውርደሎም ከሎ ንዝበዝሑ ካብኦም ሓደጋ ቃጸሎ ኣጋጢምዎም።

ፖሊስ ለንደን እቲ መጥቃዕቲ ግብረሽበራዊ ክብል'ዩ ገሊጽዎ።መንነት ናይቶም ፈጸምቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ንምፍላጥ መርመራ የካይዱ ምህላዎም ድማ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

እቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ነታጒ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ለንደን ኮይኑ ብፍሉይ ፓርሶንስ ግሪን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መደበር መጎዓዝያ ባቡር ትሕተ ምድሪ እዩ።

ከንቲባ ለንደን ሰዲቕ ክሃን ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ንሕና ኣይክንሰናበድን ኢና ብግብረሸበራውያን ድማ ኣይክንስዓርን ኢና ክብል መግለጺ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG