ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ’ሎ?ኣብ ምዕራብ ሃረርጌኸ?


ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ሶማሊያን ብሰፊሑ ይርአ’ሎ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዕስለ ኣንበጣ ብዘይካ ክልተ ማዕልታት በብዕለቱ እናኣተወ ብዙሕ ህዝቢ እናተረባረበ ከምዝርከብ ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።

ብዝተገበረ ምርብራብ ዛጊድ ኣብ ዘራእቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ዝሓበሩ ኣቶ ረዳኢ ካብ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብቲ መኸተ ንዝገበሩዎ ፃዕሪ ንኢዶም ኣለው።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ኣብ ዝርከብ 17,500 ሄክታር ዝዓረፈ ዕስለ ኣንበጣ ን1,117 ሄክታር ዘራእቲ ከምጥፍአ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣቶ ኣንስ ኣልዩ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:33 0:00


XS
SM
MD
LG