ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ተፈሊጡ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ምብራቕን ሰሜንን ኢትዮጵያ ዕሰለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት ኣብ ምውራድ ይርከብ።ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ ብሓባርን ብዝተዋደደን ንምክልኻል ምንስቴር ሕርሻ ኣቶ ዑመር ሑሰን ምስ መሪሕነት ክልል ሶማሌ፣ዞባታትምብራቕን ምዕራብን ኦሮሚያ ከምኡ እውን ምምሕዳር ድሬዳዋ መኺሮም ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ ዝወረደ ዕንወት ትማሊ ሶኑይ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ እቶም ምንስቴር ወራር ኣንበጣስግረ ዶብ ስለዝኾነ ኣብ ክልላት ጥራሕ ከይኮነስ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተዋዲዳክትከላኸሎ ኣለዋ ኢሎም።

ብዙሕ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ዘይረኸበ ወራር ኣንበጣ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ገሊፆም ኣለው።

ክልል ኦሮሚያ ካብ ክልል ኣምሓራ ቀፂሉ ብወራር ኣንበጣ ከምዝተጥቕዐ ናይቲ ክልል ዳይረክተር ሓለዋ እፅዋት ኣቶ ደጀኔ ሄርፓ ገሊፆም።

ብደረጃ ሃገር 181 ሄክታር መሬቱ ብኣንበጣ ዝተወረሮ ክልል ኣምሓራ ቀዳምይ ዝስራዕ ክኸውን ከሎ 155 ሽሕ ሄክታር ብኣንበጣ ዝተወረሮ ክልል ኦሮሚያ ድማ ካልኣይ እዩ።ዓፋር፣ ድሬዳዋን ትግራይን እውን ተጠቒዖም ኣለው።

ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ኣድላይ ዘበል ሓገዝ ንክልላት ኣቕሪብና ኣለና ዝበሉ ምንስቴር ሕርሻ ኣቶ ሑሴን ሕፅረት መንፀጊ ኬሚካል ኣውሮፕላን ከምዘሎ ገሊፆም።

ንቕድሚት ግን ፌደራል መንግስቲ ይኹን ክልላት ናይ ባዕሎም ነፈርቲ መንዝሒ ኬሚካል ክህልዎም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኣለው ብመሰረት ፀብፃብ ኣዲስ ቾከል።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ኣብ ብሄረሰብ ኦሮሞን ሰሜን ሸዋን 136 ጣቢያታት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተኸሰተ ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ 87 ሄክታር መሬት ዘሎ ዘራእቲ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ።ብፍላይ ገባራት ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ ቀለብ ፀገም ከቢድ ከምዝኸውን ገሊፆም ኣለው።

ጉድኣት ንዝወረዶም ገባራት ከምዝሕግዝ ዝገለፁ ምንስቴር ድኤታ ምንስትሪ ሕርሻ ኣቶ ወንዳለሃብታሙ ናይ ምክልኻል ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ቐልጢፉ ምላሽ ኣይሃበን ንዝብል ክሲ መልሲ ዝሃቡ ኣቶ ወንዳለ እቲ ወራር ቅድመ ምክልኻል ተዘይግበር ነይሩ ካብቲ ዝወረደ ጉድኣት ንላዕሊ ምኾነ ነይሩ ኢሎም።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እንተተሰርሑ እውን እቲ ዕስለ ካብ ሰሜን ሶማሌ፣ከባቢታት ምዕራብ ህንድን ዝተበገሰ ዝልዓለ ደረጃ ዘለዎ ኣንበጣ በረኻ ብምዃኑ ናብኢትዮጵያ ምእታው ንናይቲ ምክልኽል ስራሕ ዝተሓላለኸ ከብዝገበሮ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ ዘይምርድ ዳእ ምንስቴር ሕርሻ ናብ ትግራይ ኣትዩ ናይ ምክልኻል ስራሕ ካብ ምስራሕ ኣይእግዶን ዝበሉ እቶም ምንስቴር ድኤታብዛዕባ እቲ ዕስለን ጭቡት ኩነታትን ካብቲ ክልል እኹል መረዳእታ ከምዘይረኸቡ ገሊፆም።

‘’ንሕና ሕርሻ ኢና።ኣድማስና ልምዓት እዩ፤ኣድማስና ሓረስታይ እዩ።ናይ ሓረስታይ ረብሓ ኣብዘለዎምንስቴር ሕርሻ ኣትዩ ካብ ምስራሕ ዝኽክልክሎ የብሉን’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ናይ ኣውሮፕላን ምንፃግ እውን ወግዓዊ ሪፖርት ካብቲ ከባቢ ኣይመፀናን።ሪፖርት ከይተፀበናዳህሳስ ገይርና ምላሽ ንህበሉ ዕድል ኣሎ’’ ክብሉ ገሊፆም። ‘’ንሳቶም ብፍላይ ናይ ክልል ትግራይመንግስቲ ብዛዕባ ዘሎ ፀገም ናባና ሪፖርት ኣይለኣኸን።ዋላ እውን ተዘይገበሩልና ግን ዳህሳስ ገይርና ከይድና ግቡእ መፍትሒ ክንህብ ኣለና’’ ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልል ንመንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ኩነታት ኣንበጣ ሓበሬታ ኣይህብን ዘሎ ኢሉ ሚንስትር ሕርሻ ዘቕርቦ ክሲ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይነዚ ነፂጉዎ ኣሎ። ‘’በብእዋኑ ብፍላይ ብነፈርቲ ነፃጋ ኬሚካል ብዛዕባ ዘድልዮም ከባቢታት ሓበሬታ ዋለ ተተልኣኸ መንግስቲ ፌዴራል ግና ንትግራይ ፈልዩ ኣብ ካሊእ ከባቢ ነፀጋ ከሚካል ዘካይድ እዩዘሎ’’ብምባል ቢሮሕርሻ ክልል ትግራይ ነፂጉዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG