ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከምዚ ናይ ሎሚ ዝመስል ብዓል ዒድ ኣል-ፈጢር ኣኽብሪና ኣይንፈልጥን ይብሉ ነበርቲ ኢስትለይ


A woman buys vegetables from a local vendor in the Eastleigh neighborhood of Nairobi. The neighborhood is under lockdown after a spike in COVID-19 cases. (Mohammed Yusuf/VOA)
A woman buys vegetables from a local vendor in the Eastleigh neighborhood of Nairobi. The neighborhood is under lockdown after a spike in COVID-19 cases. (Mohammed Yusuf/VOA)

ኣብ ናይሮቢ ሶማሊያዊያን ብበዝሒ ናይ ዝነብሩላ ክፋል ከተማ ኢስትለይ ነበርቲ፡ከምዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝበለእስላማዊ በዓል ኣኽብሪና ኣይንፈልጥን ኢሎም።መንግስቲ ሰባት ካብን ናብን እቲ ከባቢ ምእታው ይኹን ምውፃእ ንተወሳኺ ክለተ ሰሙን ድሕሪምኽልካሉ ዒድ ኣል-ፈጢርኣብዕፁውኮይኖም የኽብሩ ኣብዘለውሉ እዮም ነዚ ዝብሉ ዘለው።

ኣብ ኢስትለይ ሹቓት ተዓፂዮም፣ኣብ ጎደናታት እውን ሰብ ዝብሃል ዳርጋ ኣይርኣይን።ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ትእዛዝ ንመንፈስ ኣከባብራ ብዓል ኣዳኺሙዎ እዩ።

ምስ ቤተሰቡ ኮይኑ ኣብ ገዝኡ የኽብር ዘሎ መሓመድ ዖስማን ‘’ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣለና፤ናብ ዕዳጋ ክንኸይድ ኣይንኽእልን፤ሓይልታት ፀጥታ ፈቖድኡ ስለዘለውኣቑሑት ክንገዝእ ኣይክኣልናን’’ ይብል። ‘’ናይሎሚ ዒድ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈለየ እዩ፤ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ናይ ሰባት ምትእኽኻብንምርኻብን የለን’’ በለ ብምውሳኽ።

ወናኒ መደብር መሸጢ ክዳውንቲ ዓብዲሻኩር ጋራድ ኣብ እዋን እቲ ብዓል ሽቑ እንተኸፈተ እውን ምስ ሰባት ክራኸብ ኣይክኣለን።‘’ሰባት ብሓባር ዘየኽብርሉ፣ነንሕድሕዶም ዝፈራርሕሉ፣ብኢድ ዘይጨባበጥሉ፣ናብ ገዛውቶም ዘይገባብዝሉ ብዓል ዒድ ኣብ ህይወተይ ሪአ ኣፈልጥን’’ ኢሉ ዓብዲሻኩር።

ሰበስልጣን ኬኒያ ኣብ ኢስትለይ ኣብ ሓንቲ ማዕልቲ በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ 29 ሰባት ድሕሪምርካቦም 6 ግንቦት 2020 ኣፈ ነቲ ከባቢ ዓፅዮምዎ።እቶም ሰበስልጣን ሕክምናን ምግቢን ናብቲከባቢ ክኣትውን ክወፅእን ፈቒዶም እዮም።

ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኬኒያ ምትእኽኻባት ኣጊዳ እያ።ሃይማኖታዊ መራሒ ሸኽመሓመድ ሻኩል ሰባት ይሞቱ ስለዘለው ካብቲ ሕማም ንምክልኻል ነቲ መልእኽቲ ኣኽቢድና ክንሪኦኣለና ይብሉ። ’’ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ለበዳ ኣብዝተልዓለሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ተግባር ክፍፀም ከምዝተገበረብዙሓት ኣስተምህሮታት ነብዪ መሓመድ ስለዝምህረና፤ ምስ እስላማዊ ኣመለኻኽታ ዝሳነ እዩ’’ኢሎም ሸኽ ሻኩል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበስልጣን ኬኒያ እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ንኻሊእ ክልተ ሰሙናት ኣናዊሖምዎ እዮም።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬኒያ ሳይረስ ኦጉና እቲ ስትራተጂ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር እዩይብል።

ኣብ ኢስትለይ ዝተነብረ እገዳ 6 ሰነ 2020 ኣ/ፈ ከብቅዕትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG