ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

44 ሓለፍቲ መሓውራት መንግስቲን 20 ኣባላት ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ


ንሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞን መጥቓዕቲን ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ 44 ሓለፍቲ መሓውራት መንግስቲን 20 ኣባላት ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ዜና ድሕነት ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዓለምለኸ ትካል CPJ መንግስቲ ኢትዮጵያኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያን ጋዜጠኛታትን ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ንኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጅማ ብልዕሊ 100 ሚሊዮን ብር ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተሃነፀ ‘’ዶሎሎ’’ብጉጅለ መናእሰይ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ከምዝተቓፀለ ወነንቱ ገሊፆም።

"ንወለደይ ካብ መጥቓዕቲ ዘትረፈልና ጎረበተይ እዮም’’ ክብል ውላዶም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቡ ኣሎ።እቲ መጥቓዕቲ ብጉጅለ ዝተፈፀመ ስለዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ካብ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ዝተዋፅኡ ብኽልተ ዓውድታት ዝተጣየሰ ኮሚቴ ዝተጎድኡ ሰባትን ዝጠፍአ ንብረትን ናይ ምፍላይ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምስታፍን ድሕሪ እቲ ቅትለት ምስ ዝተፈጠሩ ክስተታትን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ውልቀሰባት ብዝቐልጠፈ ፍትሒ ክረኽቡ መሓውረን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ንሰን ወሲኸን ህይወት ሰብን ንብረትን ዘዕነው ጥፍኣታት ዳግም ከይልዓሉን ዜጋታት ናብ ግጭት ክኣትው ዝቐርበሎም ፃውዒት ከይቕበሉን ኣተሓሳሲበን።ወይዘሮ ኣዳነችቀጺለን ኣቶ ጀዋር መሓመድ፣ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ እስክንድር ነጋን ንምኽሳስ ዘብቅዕ እኹል መረዳእታ ተረኺቡ ኣሎ ኢለን።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ኣረጋጊፀኣለኹ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ትካል ብናይ ጉጅለ መጥቓዕቲ ዝተቐተሉ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ከምዘለው እውን ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ።ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ እውን ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐትሉ ሰባት ከምዘለው መሳኻኽር ገሊፆለይ ክብል ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያን ጋዜጠኛታትን ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ይከታተሎ ከምዘሎ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል CPJ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሲፒጄ ወኪል ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሙዶ ኪሚሞ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎም ቕነ ኣብ ልዕሊ ትካላት መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኛታት ዝወሰዶም ስጉምታት ትካለን ብቐረባ ይካታተሎ ከምዘሎ ገሊፃ።

ንሳ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸእዋን ንመራኸቢ ብዙሃን ምቹእ ሃዋህው ምፍጣሩን ድሒሩ ግን መንግስቲ ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነፃነት ንድሕሪት ዝመልሱ እዮም ኢላ።

‘’ካብ መወዳእታ 2018 ጀሚሩ CPJን ኣብ ነፃነት ሓበሬታ ዝሰርሑ ካልኦት ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢንቴርነት ምዕፃውን ምእሳር ጋዘጤኛታትን ሓዊሱ ብመንግስቲ ይወሰዱ ዝነበሩ ስጉምትታት ክንከታተልን ክነተሓሳስብን ፀኒሕና ኢና።"

ኣብ ሲፒጄ ወኪል ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሙዶ ኪሚሞ ሎሚ ዘይኮነስ ሽዑ መንግስቲ ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምትታት ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶም ምምሕያሻት ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ነተሓሳስብ ኔርና ድሕሪ ምባል ንሳ ‘’ኣብዚ ቅኒያት ድማ ኣገልግሎት ኢንቴርነት ብመንግስቲ ስለዝተዓፀወ ሓበሬታ እተዘይሃለወኒ እውን እታ ሃገር ቀደም ናብ ዝነበረቶ ኩነታት ዝመልስ ከምዘይኸውን ተስፋ እገብር’’ክትብል ገሊፃ።

‘’ነዚ ክብል ከለኹ መንግስቲ ናብ ናይ ቀደም ተግባሩ ተመሊሱ ኣሎ እተዘይበልኩ እውን ቀደም ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምትታት ግን ምሉእ ብምሉኡ ኣይገደፈን ማለተይ እየ።"

መንግስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን ናይ ምዕፃው ዝወሰዶ ስጉምቲ CPJ ይከታተሎ ከምዘሎብምግላፅ ምስ ምቁራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ምዃኑ ሓቢራ።

ናይ ኢትዮጵያ ብዓል ስልጣን ብሮድካስት ስጉምቲ ካብ ዝወሰደሎም መራኸቢ ብዙሃን ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔት ዎርክ OMN ሓደ እዩ።

ናይቲ ትካል ናይ ሕጊ ጠበቓ ዝኾኑ ዶክተር ቶኩማ ዳባ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ንስነስርዓት ቀብሩ ብቀጥታ የመሓላልፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት OMN ከምዝተኣሰሩን ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይቲ ሚዲያ ቤት ፅሕፈት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ምዃኑን ገሊፆም።

ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ንፅባሒቱ ከምዝተፈትሑን ፀኒሑ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ዝኸደ ሓደ ሰራሕተኛ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ተኣሲሩ ከምዝርከብቱ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም ኣለው።

እቲ ቤት ፅሕፈት ብሓይልታት ፀጥታ ክፍተሽ ከሎ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ኣይተነገሮምን፤ነቲ ፍተሻ ንምዕዛብ ዝተረኸበ ዋላ ሓደ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛ ኣይነበረን ዝበሉ ንሶም ’’ብዘለኒ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፅሕፈት እውን ጉድኣት ወሪዱ እዩ። ብዙሕ ኣቑሑት እውን ተወሲዱ እዩ’’ ኢሎም።

ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ጋዜጠኛ OMN መለሰ ድሪብሳ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።ብዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ታደለች መርጋ ብዓል ቤታ ካብ ዝእሰር ዓሰርተ መዓልታት ከምዘቑፀረን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእኸላይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ከምዝርከብን ሓቢራ:ክሳብ ሕጂ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ከይዳ ንምርኣይ እውን ፍቓድ ከምዝተኸልከለትን ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፃ።

ኣብ ሃምሊን ዩኒቨርስቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኮሚኒኬሽን እንዳልካቸው ጫላ OMN ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ይመሓላለፉ ዝነበሩ ፕሮግራማትን መልእኽትታትን ኣብ መንጎ ሕብረተሰባት ተፃብኦን ግጭትን ዘለዓእሉ ነይሮም ይብል ።

ሓላፊ ብዓልስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታቸው ድንቁ ቅድም ክብል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝ ብዎ ቃል ሞት ሃጫሉ ስዒቡ ብድምፂ ወያነን ናይ ትግራይ መራኽቢ ብዙሃንን ይመሓለፉ ዝነበሩ መልእኽትታት ሓቅነቶም ከይተረጋገፀ ካብ OMN ዝተወሰዱ ሓበሬታትት እዮም ነይሮም፤ መጠንቕታ ተዋሂቡዎም ነይሩ፤OMN ዝፍንዎም ዝነበሩ ሓበሬታታት ግን ብሕጊ ስለ ዘሕትቱ ናብ ሕጊ ተመሪሑ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG