ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ኩሉ ሰሪሑ ዝነብረሉ ውሑስ ሰላም ተረጋጊጹ'ሎ' ኢለን ሓላፊት ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝቢን ወ/ሮ ልያ ካሳ


ወ/ሮ ልያ ካሳ
ወ/ሮ ልያ ካሳ

‘ልዕልነት ሕጊ ንኩሉ ብማዕረ’ዩ ክሰርሕ ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ’ ዝበለት ወ/ሮ ልያ ካሳ ‘ዝኾነ ሰብ ብዘጥፈኦ ገበን ክሕተት ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ኢህወዴግ ይኹን ኣብ ገምጋማት ብሄራዊ ውድባት ምስ ክራይ ኣካብነት ተኣሳሲሩ፣ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኣሳሲሩ ዝራኣዩ ሽግራት ተነጺሮም ብተወኺ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ዕዮ’ውን ከይተረፈ ዝኽሰቱ ግዕዝይና’ውን ተፈቲሾም ንኹሉ ብዝሓትት መልክዕ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝግባእ ናይ ኢህወዴግ ውሳነ’ዩ፣ ናይ ህወሓት ውሳነ’ውን እዩ’ ትብል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሕዎ መስርሕ ለውጢ ትዕንቅፍ’ያ እናተባሃለት’ያ ትሕመ’ሞ እስኪ ሪኢቶኺ ሃብና ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበላ።

ንሳ ወሲኻ ‘ልዕልነት ሕጊ ይከበር ዝብል ናይ ኩላትና ሽኻል’ያ’ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ትሰርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር ግን ዘይትሰርሕ ክትኮን ኣይግባእን’ እውን በለት ንሳ።

‘ተዘይኮይኑ ግን ሓደ ጊዜ መቐለ ምሽግ ኮይና ይብልዋ፣ ካልእ ጊዜ ካልእ ሽም ይህብዋ ስለዚ እዚ ኩሉ’ዚ ነቲ ትግራዋይ ኮነ ኢልካ ንምሽምቓቅ፣ ንምስኳን ነቲ ዝነበሮ ወርቃዊ ታሪኽ ንምህሳስ ዝግበር ጉያ ጉያ’ምበር ህዝቢ ትግራይ ንሌባ ዝሽከም ከምዘይኮነ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጥዎ’ዮም’ ኢላ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:47 0:00


XS
SM
MD
LG