ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኤርትራዊያን ካብ ምዕባለ ትግራይ ንክቋደሱ ይስራሕ ኣሎ' ኢለን ወ/ሮ ልያ ካሳ


ልያ ካሳ
ልያ ካሳ

'ሕቶ መንነት ወልቃይትን ራያን ኣሎ'ዶ ኣይፋሉን ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ባይታ ናብ'ቲ ህዝቢ ወሪድካ ምርግጋጽ ከምዝካኣል' ዝገለጻ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ወ/ሮ ልያ ካሳ 'ዕላማ'ቶም ዝላዓሉ ሕቶታት ኮነ ኢልካ ናይ ትግራዋይ መንነት ንምድኻም'ዩ፣ ሎሚ'ኳ ሕልፍ ኢሉ ሕቶ መርየት ይኾን'ሎ' ኢለን።

'ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት ይኽሰት ዘሎ ዕግርግራት ወጻእተኛ ኢድ ኣኣታውነት ከምዘለዎ ፍሉጥ'ዩ' ዝበላ እተን ወሃቢት ቃል 'ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕብየት ዘመዝገበ ልምዓታዊ መንግስቲ ንምድኻም ዝዓለመ'ዩ'ውን' ይብላ።

'መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዛላምበሳ ኣትዮም ነይሮም'ዮም' ዝበላ ወ/ሮ ልያ 'ከምመጠን ትግራዋይ ሓደ መዓልቲ ንመቐለ ምምጸኦም ዘይተርፍ'ዩ ንሕና'ውን ብሓጎስ ክንቅበሎምን ክነጋይሾምን ተስፋ ኣለኒ' ኢለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:40 0:00

XS
SM
MD
LG