ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ጥሪት ኣሲርካ ምቕላብ ኣብ ትግራይ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍርያትን ምህርትን ጥሪት ንምዕባይን ሃብቲ ተፈጥሮ ንምክንኻንን ይሕግዝ እዩ ዝበሎ መደብ ጥሪት ኣሲርካ ምቕላብ ተግባራዊ ይገብር'ሎ።

እዚ መደብ እዚ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክትግበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ጣብያታት ድጉምን መጋብን ዝርከቡ ሰብ ጥሪት፤ ኣሲርካ ምቕላብ ውፅኢት ከምዝኸረብሉ ይገልፁ። ነባሪ ጣብያ ድጉም ኣይተ ገብረስላሰ ኪሮስ ጥሪቶም ኣሲሮም ብምቕላቦም ፅቡቕ ከምዝተፋረያን ዝሐሸ ውፅኢት ከምዝረኸቡለንን ተዛሪቦም፤ ብተወሳኺ ሳዕሪ ካብ መግሃጫ ድሒኑን ፍግረ መሬት ነክዩ መሬት ከምዝለመዐን ገሊፆም።

ካልእ ኣብቲ ወረዳ ጣብያ መጋብ ዝነብራ ወይዘሮ ግደይ ገብረህይወት ብግደአን ኣብቲ ፈለማ ጥሪት ኣሲርኩም ቀልቡ ምስ ተብሃለ ሓረስታይ እቲ ከባቢ ክወድቃናን ክሕነቓናን እየን ብዝብል ኣይንኣስርን ኢሉ ምንባሩ ይዝክራ።

ዳሓር ግና ውፅኢቱ ብተግባር እናረኣየ ምስ ከደ ኣሲሩ ምቕላብ ከምዝጀመረን እተን ጥሪት እውን ፍቖዶ ሓመድ እናዘራ መርፍእን ካልኦት ጐዳእቲ ነገራት ካብ ምብላዕ ከምዝተናገፋን ብተግባር ኣረጋጊፁ እዩ ኣሚኑ ይብላ ወይዘሮ ግደይ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መደብ ጥሪት ኣሲርካ ምቕላብ ኣብ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:38 0:00

XS
SM
MD
LG