ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ

ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት፡ "ሕሉፍና መወከሲ መጻኢ መደባትና" ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 8 መስከረም ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዋዕላ ተኸፊቱ።

ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስምዕ ቃል፡ ምጥፋእ ማሃይምነት መሰረታውን ኣገዳስን ክፋል ንቐጻሊ ትምህርትን ንምዕባለ ዜጋታትን ከምዝኾነ ስለዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ መዓልቲ ምጥፋእ ማሃይምነት፡ ዓመት መጸ ከም ዝዝከር ገሊጹ።

ብምቕጻል ኤርትራ ንትምህርትን ስልጠናን ወሳኒ ባእታ ንምዕባለ ሃገርን ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ምዃኑ ብምግንዛብ ነዛ መዓልቲ ፍሉይ ሚዛን ከም ትህቦ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብሪሁ።

ኣቶ ገብረዝጊ ድማም ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን ብወገኑ፡ መሃይምነት ንምጥፋእ ብዝተገብረ ጻዕሪ መጠን መሃይምነት ኣብ ኤርትራ ናብ 20 ሚእታዊት ከምዝወረደ ገሊጹ።

እቲ ሕሉፍና መወከሲ መፃኢ መደባትና ብዝብል ቴማ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንሕሉፍ ገምጊሙ ውሳነታት ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ 8 መስከረም ተዘኪሩ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
1/5 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
2/5 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
3/5 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
4/5 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
5/5 ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
Previous slide
Next slide

XS
SM
MD
LG