ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዲሽ ክብረ-ወሰን ዘመዝገበ ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብ ጊነስ ወርልድ ሪኮርድስ ተመዝጊብሉ


ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ፖርቱጋል ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ-ማራቶን ክብረ-ወስን ክዓትር ዝኸኣለ ብኬንያዊ ሳሙኤል ዋንጅሩ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ፍርቂ-ማራቶን ክብረ-ወሰን ድሕሪ ምስባሩ`ዩ። ዘርእሰናይ ናይ 20 ኪ.ሜ ክብረ-ወሰን `ውን ብምዕታሩ ክልቲኡ ሽልማታት ኣብ ኣስመራ ተረኪቡ`ሎ።

ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ብዘይካ `ቲ ናይ ፍርቂ ማራቶን፡ ካልእ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 20 ኪ.ሜ ክብረ-ወሰን ሪኮርድ ብምስባር ድርብ-ዓወት`ዩ ኣመዝጊቡ ዘሎ። ብመሰረት`ዚ ድማ እቲ ናይ ስፖርት በዓል-ስልጣን ነቲ ዝተዳለወሉ ሽልማት ናብ ኤርትራ ብምስዳድ ብመንገዲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኤርትራ ከምዝቕበል ገይሩ።

ኣብ ኣስመራ ሆተል እምባ ሶይራ ኣብ ዝተገብረ ስነ ስርዓት፡ ኣትሌት ዘርእሰናይ ሽልማታቱ ካብ ምንስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ከምኡ`ውን ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጠፋ ኑርሑሴን ተቐቢሉ`ሎ።

ብዘይካ`ዚ ኣትሌት ዘርኣሰናይ በዘን ዘመዝገበን ክልተ ክብረ-ወሰናት፡ ኣብቲ ናይ ዓለም ኣደነቕቲ ፍጻመታት ዝምዝገበሉ ምጽሓፍ ማለት ጊነስ ቡክ ኦፍ ሪኮርድስ ክምዝገበሉ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ`ሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ሊዝበን፡ ክብረ-ወሰን ክሰብረሎም ዝበቐዓሎም ሰዓታት፡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን 58 ደቒቕን 23 ካሊእትን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ናይ 20 ኪ. ሜ ውድድር ድማ 50 ደቒቕን 21 ካሊእትን`ዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG