ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ዮርዳኖስ ኣትዩ`ሎ፡ እዚ ምብጻሕ ኣካል`ቲ ድሕሪ ምውዳቕ መራሒ ሶርያ ናብቲ ዞባ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት እዩ።
እቲ ዝመጽእ ወርሒ መዝነቱ ዘብቅዕ ላዕላዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ፡ ብቐጥታ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ከተማ ኣቃባ ብምምራሕ ምስ ንጉስ ዓበደላ ድሕሪ ምርኻብ ናብ ቱርኪየ ኣምሪሑ`ሎ።
ብሊንከን ሓዲሽ መንግስቲ ሶርያ እንተላይ ንውሑዳን ቀቢላታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓቛፋይ መንግስቲ ኮይኑ ክቐውም ይግባእ ዝብል ርእይቶ ሂቡ`ሎ። ሶርያ መደበር ኣሸበርቲ ከይተኸውን ከምዝጽውዕ`ውን እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ`ሎ። ዅናት ቓዛ ካብ ዝጅምር ብሊንከን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንመበል 12 ግዜ ይበጽሕ ኣሎ።
ቅጥዒ