ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፍልድ ንኣዲሳበባ ክብገሳ’የን!


ኣብ ምኒስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ንዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዕዛብ ናብ ኣዲሳበባ ክብገሳ’የን።

እግረ-መገደን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ምምኽኻር ከምዝገብራ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ከምኡውን ምስ ሰበ-ስልጣን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ኮምሽን ኣፍሪቃን ዓለም-ለኸ መሻርኽቲን ተራኺበን ብዛዕባ እታ ኣህጉር ንዘጋጠምዋ ፈተናታት ኣልዒለን ክዝትያ’የን ሊንዳ ቶማስግሪንፊልድ።

ጉጅለ ተዓዘብቲ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ይብል ቤት-ዕዮ ምንስይቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፡ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዘንፀባርቅን፡ናይ ክልቲኦም ወገናት ሻቅሎት ፀጥታን ምዕባለን ከምኡውን ንናፅነትን ፅቡቅ መነባብሮን ህዝቢታት ዝሕብርን’ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG