ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጉዳይ ኦማር ኣል-ባሽር ምስ ኣፍሪቃ ኣፈላላይ ኣሎ ኢለን ሊንዳ ቶማስ ግሪንፍልድ


ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ
ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ

ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጆሃንስበርግ ምስታፎም፣ቤት ፍርዲ ገበን ዓለም ንዝወጠኖ መስርሕ ንድሕሪት ዝመለሶ እዩ ኢለን ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ።

ንሰን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ-ምልልስ ክዛረባ ከለዋ ‘ብዛዕባ ምእሳር ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣፈላላይ ከምዘሎ ዝጠቀሳ ሊንዳ ቶማስ-ግሪን-ፊልድ፣ኣሜሪካ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣል-ባሽር ንክእሰሩ ትእዛዝ ምሃቡ ደጊፋ’ያ። ሃገራት ኣፍሪቃን ንውዕል ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝፈረማ ገለ ሃገራትን’ውን ኣሕሊፈን ንክህባ ኣተባቢዕና ኢና’ ኢለን።

እቶም ኣብ ሱዳን ዝተሳቀዩን ግዳያት ምጽናት ዘርኢን ፍትሒ ይፅበዩ ኣለው ይግበኦም’ዩ’ውን ኢለን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:23 0:00

XS
SM
MD
LG