ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ - ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሲቪል ማሕበራት ዝተነበረ ክልከላ ተላዒሉ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ስቪል ማሕበራት ኣብ ታሕሳስ 2024 ዝተነብረ ክልከላ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚን ክልከላ ዝተነብረሎም ማሕበራትን ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብን ትማሊ ሰኑይ 3 መጋቢት 2025 ምልዓሉ ሓቢሩ።

እቲ ክልከላ ኣብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ብማሕበር ምጥርናፍ መሰል ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህሉዎ ዘተሓሳሰበ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ እገዳ እቶም ማሕበራት ዝምልከት ሰፊሕ ምርመራ ምክያዱን ዝተረኽቡ ውጽኢት ድማ ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ኣጋጣሚ ጸገማት ብልዝብ ምፍታሕ ሰብኣዊ መሰላትን ሃገራዊ ጥቕሚ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG