ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢህወዴግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጸገም ክፈትሕ ከምዘይኽእል ኣርእዩና’ዩ” አቶ ልደቱ አያሌው

  • እስክንድር ፍሬው
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ኢህወዴግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጸገም ክፈትሕ ከምዘይኽእል ኣርእዩና’ዩ ክብሉ አቶ ልደቱ አያሌው ኣፍሊጦም።

እቲ ስርዓት ካብዚ ኹሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘይመሃር ምኳኑ ኣርእዩና’ዩ ዝበሉ አባል ቤት ምኽሪ ኢደፓ ዝኾኑ ኣቶ ልደቱ አያሌው ፓርቲኦም ንምፍራስ ምንቅስቃስ ተጀሚሩ’ሎ ብዛዕባ ዝብል ጸብጻብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ’ዩ ፓርቲና እንተፈረሰ’ዃ ሓድሽ ፓርቲ መስሪትና ቃልስና ክንቅጽል ኢና ኢሎም።

ኣቶ ልደቱ አያሌውን ካልኦት አባላት ቤት ምኽሪ ኢደፓ ሎሚ ቅነ ዘካየድዎ አኼባ ነቲ ቅድም ክብል 12 ጥቅምቲ ዝተኻየደን ቦርድ ምርጫ ምልኣተ ጉባኤ ኣይነበሮን ዝብል ቅሬታ ዘቕረቦ ንምሽፋን ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ ሎሚ ቅነ ዝተኻየደ አኼባ ክልተ ሲሶ አባላት ዝተረኽብሉን ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንት ሓዊሱ ኣርባዕተ አባላት ፈጻሚ ስራሕ ካብ ሓላፍነት ዝተሓትሉን ብኣባልትነት ቤት ምኽሪ ጥራይ ክውጽሉ ከምዝተወሰነ አቶ ልደቱ አያሌው ኣፍሊጦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ንዓመተ 2017 ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ብብዝሒ ሸቶ ብምምዝጋብ ዝፋነዋ ዘሎ ተጻዋታይ መን ይበሃል?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG