ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ጭፍለቓ ኣንፃር ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ተጋዲዱ


ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነቲ ምዕባለ እናተኸታተልዎ እዮም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሊቢያዊያን ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብምኹናን ብህፁፅ ጠጠው ንኽብል ፀዊዑ።

ካብ ሊብያ ዝወፁ ሓበሬታታት ይሕብርዎ ከምዘለው ብመንግስቲ ዝተሓገዘ ይካየድ ዘሎ ጭፍለቓ ኣንፃር ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ከምዝተጋደደ ይገልፁ ኣለው።ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ነቲ ምዕባለ እናተኸታተልዎ እዮም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሊቢያዊያን ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብምኹናን ብህፁፅ ጠጠው ንኽብል ፀዊዑ።

ምንስትሪ ወፃኢ ጣልያን ፍራንኮ ፍራቲኒ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ሮም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ መንግስቲ ሊብያ ይፍፅሞ ብዘሎ ተቓወምቲ ናይ ምጭፍላቕ ስጉምቲ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝሕብሩ እሙናት ፀብፃባት ኣለው ይብሉ።

ፀረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ከም ባይዳን ቤንጋዝን ዝበላ ገለ ከተማታት ሊብያ ኣብ ቁፅፅሮም ከምዘእተውወን ፀብፃባት ይሕብሩ።

ዓረብ ሊግ ሕቡራት መንግስታት ምንስትሪ ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴንን ካልኦትን መራሒ ሊብያ ሞኣመር ጋዳፊ ንሰልፈኛታት ካብ ምጭፍላቕ ንኽእደቡ ፀዊዖም።

ኣብ ምርምር ማእኸላይ ምብራቕ ላዕለዋይ ክኢላ ዝኾኑ ኤሊዮት ኣብራምስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ሚስተር ጋዳፊ ኣብስልጣን ክፀንሑ እንተኽኢሎም ከምዝድነቑ ይገልፁ።

ሞኣመር ጋዳፊ ደገፍ ናይቲ ድኹምን ዝተኸፋፈለን ኣካል እቲ ሰራዊ ጥራሕ ከምዘለዎምን እቲ ሰራዊት ብክልልን ዓሌትን ዝተኸፋፈለ ምዃኑን ይዛረቡ።

ኣማኸርቲ ፕሬዝዳንት ኦባማ ብዛዕባ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ካብ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቶም ዳኒሎን ስሩዕ መብርሂ እናተውሃቦም እዩ።

ሂላሪ ክልንቴን ‘’ኣብ ሊብያ ይፍፀም ዘሎ ህውከት ብትሪ ኣብ ምኹናን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተፀንቢርና ኣለና።ምስ ፖሊስታትና እምነትናን ሕግታትናን ብዝሰማማዕ ግቡእ ስጉምትታት ክንወስድ ኢና።’’ብምባል ገሊፀን።

ቤትምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ሰሜናዊ ኣፍሪካዊት ሃገር ሊብያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ይውሰድ ዘሎ ናይ ምጭፍላቕ ስጉምቲ ትማሊ ሰሉስ ብትሪ ብምኹናን እቲ ህውከት ብህፁፅ ጠጠው ንኽብል ፀዊዑ።

መራሒ ሊብያ ሞኣማራ ጋዳፊ ትማሊ ሰሉስ ኣብዘስምዕዎ ዘረባ ክሳብ ናይ መወዳእታ ናይ ደም ጠብታ ብምውጋእ ኣብ ሃገሮም ከምሰማእት ከምዝሓልፉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG