ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት እቶም ኣብ ሊብያ ዘለው ስድተኛታት ከምዘሻቀሎ ሕ/ሃ ገሊፁ


ናይጀርያዊት ስደተኛ
ናይጀርያዊት ስደተኛ

ስድተኛታት ትሕቲ ሳሃራ ኣድልዎን መጥቃዕቲን ይፍፀሞም ኣሎ


ኣብ ሊብያ ይንህር ዘሎ ህውከትን ኣድልዎን ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘስዕቦ ዘሎ ፀገም ሻቅሎት ከምዝፈጠረሉ ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ኣፍሊጡ።

ኩነታት ሊብያ ንስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ሓደገኛ እናኾነ ይመፅእ‘ሎ ይብል ሕ/ሃ።ንኩለን ሃገራት ድማ ነዞም ስደተኛታት ንክቅበላ መፀዋዕታ የቅርብ።

እቲ ትካል ወሲኹ፣ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ፍርሂ ይነብሩ‘ለው።ብመራሒ ሊብያ መዓሙር ገዳፊ ዝተኸትቡ ዕሱባት‘ዮም ኢሎም ሊብያውያን ስለዝኣምኑ ንግፋዕ ኣለና‘ውን ይብል።

ነቶም ኣብ ዶብ ምስ ግብፂ ዝበፅሑ ሱዳናውያን ቃለ-ምልልስ ምስ ተገብረሎም ሪኢቶ ዝሃበ ወሃቢ-ቃል UNHCR ኣድርያን ኤድዋርድስ፣ ዕጡቃት ሊብያውያን ናብ መንበሪ ስደኛታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ እናኣተው ካብ ሊብያ ንክወፁ ከምዘገደድዎም ይዛረብ።

ኣብ ሓደ ተጓንፎ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ሱዳናዊት ፆታዊ መግሰስቲ ተፈፂሙዋ‘ሎ።ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ድማ ሰነዶም ተመንጢሎም ወይካኣ ተባሪዑ‘ዩ።ካብ ቤንጋዚ ዝሃደሙ ደቂ ቻድ‘ውን ተመሳሳሊ ፀገም ነጊሮም‘ዮም ይብል ንሱ።

ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ኣብ ሊብያ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይገልፅ።ኣብ‘ዚ እዋን ብዛዕባ ኩነታቶም ዘሻቅል ወረ ይስማዕ ስለዘሎ ብዙሕ ተጨኒቀ‘ለኹ ይብል።ሚስተር ኤድዋርድስ ኣስዒቡ “ኣባላት‘ዛ ጉጅለ‘ዚኣ ይሃድኑና ነይሮም።ይጥርጥሩና‘ዮም ባሃልቲ‘ዮም።ኣብ‘ታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ብቀረባ ክንግምግም ዓቅሚ የብልናን።መብዛሕትኡ ጊዜ ንኣባላት ስድራኦም እናገደፉ‘ዮም ዝሃድሙ ዘለው። ስለዚ ዘግርም ምዕባለታት‘ዩ ዘሎ” በለ።

ስደተኛታት ተቀማጦ ሊብያ፣ፓስፖርቶምን ካልኦት ሰነዳትን ብኣስራሕቶም ከምዝምንጠሉ እቲ ዜና ይሕብር።ነዞም ኣገደስቲ ሰነዳት ዘይሓዙ ስደተኛታት ድማ ናብ ዶብ ክበፅሑ ከለው ድማ ናብ ካልእ ፀገም ይሳጥሑ።



XS
SM
MD
LG