ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣተሓሕዛ ናዕቢ ሊብያ ጥንቃቐ ዝመልኦ ቃላት ይጥቀም


ኮሚቴ ሰላምን ጸጥታን`ቲ ሕብረት፡ ንጉዳይ ሊብያ ኣመልኪቱ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሓያል ክርክር ዝሰፈኖ ከምዝነበረ ዲፕሎማት ገሊጾም

ኣብ`ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኣምባሳደር ሊብያ፡ ኣንጻር ኣድመኛታት ንዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምክልኻል ተኻቲዕም። ናይ`ዚ ወርሒ ለካቲት ኣደ-መንበር ናይ ናሚቢያ ኣምባሳደር ካኪና ናጉላ፡ ብዛዕባ`ቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘውጽኦ መግለጺ ንሪፖርተራት ከምዚ ክብላ ተዛሪበን፡ “እዚ ቤት መኽሪ በቲ ኣብ ህዝቢ ሊብያ ዝወረደ ዘሕዝን ምጥፋእ ህይወት ኸቢድ ሓዘኑ ይገልጽ። ኹሎም ሊብያውያንን ኹሎም ዝምልከቶምን ኣብ ህይወትን ንብረትን ተወሳኺ ኽሳራ ንኸይስዕብ ኻብ ተወሳኺ ጎንጺ ክቑጠቡ ነተሓሳስብ”።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ዛካሪ ሙይታ፡ ኣብ`ቲ እዋን ክዛረቡ ኸለዉ፡ ኣብ መበል 21 ኽፍለ ዘመን ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንተቓወምቲ ጨፍሊቖም ኸምልጡ ከምዘይክእሉ ክፈልጡ ኣለዎም ኢሎም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG