ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ፡ ክልተ መራኽብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትያ


ሊብያ፡ ክልተ ናይ ወጻኢ ሃገራት መራኽብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዋ ገሊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:31 0:00

ሊብያ፡ ክልተ መራኽብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዋ ገሊጻ

ሊብያ: ሓንቲ ናይ ነዳዲ መርከብን ካልአይታ ድማ ገፋፊት ዓሳ መርከብ ማልታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዋ ሓቢራ።

ሓለዋ ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ትሪፖሊ ዝነበረት ናይ ነዳዲ ቦጥ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቃሲም ንኤኤፍፒ ዝሃቦ ቃል “ እታ ናይ ታንዛንያ ባንዴራ ዝሓዘት ግን ኸአ ኣብ ዛንዚባር ዝተመዝገበት መርከብ ዘይሕጋዊ ናይ ሊብያ ነዳዲ ጽዒና ብምንባራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ” ይብሉ።

አባል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኮሎኔል ዓቡ ኣጂላ ዓብደልባሪ: እታ መርከብ ንመዓልታት ኣብ ትሕቲ ክትትል ሓለዋ ባሕሪ ከምዝነበረት ሓቢሮም።

ብተወሳኺ: ሓንቲ ናይ ማልታ ገፋፊት ዓሳ መርከብ ብዘይ ፍቓድ ናብ ማያት ሊብያ ብምእታዋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ኮሎኔል ዓቡ ኣጂላ ዓብደልባሪ ገሊጾም።

ክልቲአን መራኽብ ምስ አባላተን ንምርመራ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ምኻዶም ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ሊብያ ዝነበሩ መሃመድ ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ዝሞቱ ንደሓር: ካብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ነዳዲ ናብ ቱኒዝያ፡ማልታን ቱኒዝን ምስግጋር ልሙድ ተርእዮ ይኸውን ምህላው’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG