ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ተአፋፊን ዘይርጉጽን ኩነታት ሊብያ ዝቕጽል ኣይኮነን" ናይ ሕ/ ሃ ሓገዝ ወሃቢ ልኡኽ ኣብ ሊብያ 


ተአፋፊን ዘይርጉጽ ኩነታት ሊብያ ዝቅጽል ኣይኮነን ክብሉ ሓላፊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ወሃቢ ልዑኽ ኣብ ሊብያ ገሊጾም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ሎሚ ንዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እዮም።

ፍሉይ ወኪል ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጋሲም ሳልም ካብ ቱኒዝያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ምቁጽጻሩን ቀጻሊ ኣብ ዝኻየድ ግጭት ድማ ሰላማዊያን ሰባት ግዳያት ይኾኑ ኣለው ኢሉ።

ንሶም ብተወሳኺ ብዙሓት ሊብያዊያን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ዓመት ዝኻየድ ምርጫ ድምጾም ንምሃብ ከምዝተመገቡን ቁጽሪ ዝተመዝገቡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ምብጽሑን ገሊጾም ይኹን ደአ እምበር ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ነጻን ርትዓዊን ምርጫ ንምክያድን ብኩሎም ወገናት ቅቡል ውጽኢት ንምርኻብን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ቁጠባዊ ጸገማት እታ ሃገር ከይተፈትሓ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምርኻብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሮም።

ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት’ታ ሃገር ምሃብ ከምዝጅምርን እዚ ድማ መሰረታዊ ናይ መግቢ ማይን መጽለሊ ዝአመሰሉ መሳለጥያታት ዘማልእ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ መንግስቲ ንጸገማት ዜጋታት ንምፍታሕ ብፍላይ ኣብ ግብረ ሽበራን ጸጥታ እታ ሃገር ሓያል ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ብምሕባር ኩሎም ወገናት ንሃገራዊ ረብሓ ከቐድሙ ጽውዒት ኣቕሪቦም።

XS
SM
MD
LG