ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ሰበ ስልጣን ሊብያን እስራኤልን ኣብ ሊብያ ተቓውሞ የልዕል


እስራኤል፣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገራ ምስ ናይ ሊብያ መዘነኦም ኣብ ከተማ ሮማ ተራኺቦም ምዝርራቦም ድሕሪ ምግላጻ፣ ብርክት ዝበሉ ሊብያዊያን ኣብ ትሪፖሊ ጎማ ናይ መኪና ብምቅጻልን ጎደና ብምዕጻውን ተቃውሞኦም ገሊጾም።

መንግስቲ ሊብያ ነታ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዝተራኸባ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያ ናጅላ ማንጉሽ ካብ መዝነተን ከምዝተላዕላ እውን ሓቢሩ'ሎ።

እተን ሚንስትር ርክብ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን ከምዝተካየደ እስራኤል ድሕሪ ምግላጻን ካብ መዝነተን ድሕሪ ምልዓለንን ንቱርኪ ሃዲመን ኣለዋ።

እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፣ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ሮማ ተሳሊጡ ዝተባሃለ ልዝብ መዘራረቢ ኣጀንዳታት፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ሓድጊታትን ስፍራ መቓብር ኣይሁዳዊያንን ከምዝነበሩ ምጥቃሶም ተሓቢሩ'ሎ።

መንነቶም ዘይተገልጹ ክልተ ሰበ-ስልጣን ሊብያ ብወገኖም ኣብ መንጎ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሊብያን እስራኤልን ልዝብ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ ከምዝነበረ ንትካል ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG