ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ ን170 ሱዳናዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ጠሪዛ


ሰበ ስልጣን ሊብያ ከም አካል እቲ ኣብታ ሃገር ዘለው ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት 170 ሱዳናዊያን ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም,2017 ዓ.ም ናብ ሃገሮም መሊሶም።

እዞም ስደተኛታት ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ወይ ተጻዒኖምሎም ዝነበሩ ጀላቡ ብምጥሓለን ብህይወት ኣድሕን ስርሒት ድሒሮም ናብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ዝተመለሱ እዮም።

ሊብያ ን170 ሱዳናዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ጠሪዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዘለው መዳጎኒ ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ዝሓዛ ምኳነን ብሰንኪ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ አጸጋሚ ይኸውን ምህላው ሰበ ስልጣን እቲ መዳጎኒ ስደተኛታት ይገልጹ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብቲ መዳጎኒ ማእከናት ንዘለው ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ መደብ ብምትእታው ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ነፈርቲ ብምድላው ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይመልስ።

ሓላፊ መዳጎኒ ስደተኛታት ሁስኒ አቡ አያን “ ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም,2014 ዓ.ም 170 ሱዳናዊያን ስደተኛታት ብምትሕብባር ብዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለው። ካብ ሱዳን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ እዚ ናይ መጀመርያ እዩ። ንሕና ናብ ሚቲጋ መዓርፎ ነፈርቲ ከነብጽሖም ኢና ካብኡ በንፋሪት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናብ ካርቱም ክወስድዎም እዮም” ኢሎም።

ኑር ኣልዲ መሃመድ ሓደ ካብቶም ሎሚ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘለው ስደተኛታት እዩ፡ “ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኢና ናብዚ መጺና፡ ድሕሪ ኣብዚ ማእከል ዝጸናሕክዎ 40 መዓልታት ናብ ሃገረይ ብምምላስ ዓብይ ሓጎስ ይስምዓኒ” ኢሉ።

እቶም ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ምስ ኤምባሲታት ሃገራት ዝኻየድ ምኳኑ’ውን ይሕበር።

XS
SM
MD
LG