ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ፡ ኣብ ባሕሪ እናጠለቕና ኣውያትና ኣይሰምዐን ኢሎም ካብ ሊብያ ዝሃድሙ ስደተኛታት


ኔቶ ግን ብሕጊ ባሕሪ ስለዝግደድ ዝክኣለኒ ይሕግዝ ኣለኹ ይብል

ወተሃደራዊ ኺዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ)፡ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ 500 ሰባት ዝሓዛ ጀላቡ ከምዘድሓነ ይገልጽ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ሊብያ ንስደተኛታት ብሓይሊ ኣገዲዱ ናብ ሓንቲ ጃልባ ምስ ኣእተዎም ቀልጢፋ ዝጠሓለት`ውን ኣላ ዝብል ወረ`ሎ ኢሉ ኔቶ።

ገለ ካብ ሞት ባሕሪ ዝተረፉ ሰባት ግን፡ ኔቶ ንምሕጽንታና ዕሽሽ ኢሉ ይብሉ። UNHCR`ውን፡ ኔቶ ዝያዳ ክተሓጋገዝ ተማሕጺኑ`ሎ።

ስቅያት`ቶም ብባሕሪ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ኣካል`ቲ ሰፊሕ ክትዕ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኾይኑ`ሎ-ኻብቲ ነውጺ ንዝሃድሙ ሰባት ብከመይ ይርኣዩ ዝብል ክትዕ።

ኣብ ብራስልስ ሓላፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ደቪድ ኒኮላስ፡ ኤውሮጳ ነዞም ስደተኛታት`ዚኦም ክትቅበሎም`በር ንድሕሪት ክትመልሶም ኣይግባእን ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG