ወተሃደራዊ ኺዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ)፡ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ 500 ሰባት ዝሓዛ ጀላቡ ከምዘድሓነ ይገልጽ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ሊብያ ንስደተኛታት ብሓይሊ ኣገዲዱ ናብ ሓንቲ ጃልባ ምስ ኣእተዎም ቀልጢፋ ዝጠሓለት`ውን ኣላ ዝብል ወረ`ሎ ኢሉ ኔቶ።
ገለ ካብ ሞት ባሕሪ ዝተረፉ ሰባት ግን፡ ኔቶ ንምሕጽንታና ዕሽሽ ኢሉ ይብሉ። UNHCR`ውን፡ ኔቶ ዝያዳ ክተሓጋገዝ ተማሕጺኑ`ሎ።
ስቅያት`ቶም ብባሕሪ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ኣካል`ቲ ሰፊሕ ክትዕ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኾይኑ`ሎ-ኻብቲ ነውጺ ንዝሃድሙ ሰባት ብከመይ ይርኣዩ ዝብል ክትዕ።
ኣብ ብራስልስ ሓላፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ደቪድ ኒኮላስ፡ ኤውሮጳ ነዞም ስደተኛታት`ዚኦም ክትቅበሎም`በር ንድሕሪት ክትመልሶም ኣይግባእን ኢሉ`ሎ።