ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያዊያን ሃገሮም ካብዚ ቅልውላው ወፂኣ ክትህነፅ ምርኣይ ይደልዩ


‘’ምውጋእ ጠጠው ኣቢልና ህንፀት ክንጅምር ኣለና።’’

ሊብያዊያን ዓመፅቲ ናብትሪፖሊ ኣብዝገስገስሉ እዋን ናይ ዝተቕቀተሉ ሊብያዊያን ሬሳ ካብ ቀፅሪ ዋና ቤትፅሕፈት ሞኣመር ጋዳፊ ወፃኢ ፎቖዶ ተድርቢዮም ይርአዩ።ብዙሓት ሊብያዊያን ሃገሮም ካብቲ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈፀመ መሰረታዊ ለውጢ ንላዕሊ ንምርኣይ ተስፋ ይገብሩ።

ደብዳብ ነፈርቲ ኔቶ መንግስቲ ንዝቆፃፀሮም ብዙሓት ቦታት እንተዕነው እውን መብዛሕቲኦም መሰረታዊ ልምዓታት ሕዚ’ውን ኣብ ቦቱኦም ይርከቡ።ከም ማይ፡ሓይሊ መብራህቲ፡ምግብን ሓዊሱ ሲቪላት ዝጥቀምሎም መሰረታዊ ነገራት ናብ ስሩዕ ምምላስ ጀሚሮም ኣለው።ኣባል ዓማፂ ፊቶሪ ዓብድል ቃዲር እቲ ናህሪ ብኸምዚ ንኽቕፅል ድልየቱ እዩ።ንሱ ‘’ምውጋእ ጠጠው ኣቢልና ህንፀት ክንጅምር ኣለና።’’ይብል።

ብምቕፃል ’’ተዋግኣይ ሓይሊ ክንፈጥር ንኽእል፡ዝሃንፅ ሓይሊ’ውን ከምኡ።ሊብያ ክንዲ ዝከኣለና ብህፁፅ ናብስሩዕ ክንመልሳ ይግባእ።’’ይብል።

ኪኢላ ኮምፒተር ዝነበረ ዓብድል ቃዲር ኣካል ክሊቲኦም ሓይልታት ክኸውን ይደሊ።ንሱ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናይ ተለቪዥን ስርሑ ገዲፉ ናብቶም ተቓወምቲ እንተተፀንበረ’ውን እቲ ዓመፅ ካብዝጅመር ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ንቶም ተቓወምቲ ከምዝደገፈ ይዛረብ።

ምስመንግስቲ ክሰርሕ እንተሎ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ይርዳእ ከምዝነብረን መንግስቲ ግን ይርድኦ ከምዘይነብረን ይዛረብ።

ዓብድል ቃዲር ወላዲ ኣብኡ ለውጢ ንኽግበር ኣብ መድረኽ መርበብ ሓበሬታ ስለዝፀውዐ ብመንግስቲ ይፍለጥ ከምዝነብረ ይዛረብ።ኮሎኔል ጋዳፊ ዝለኣኽዎ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከምዝበፅሖ እውን ይገልፅ።ብዛዕባ ቤተሰቡ ከምዝተጨነቐን ንኣቡኡ ከይቐትሉዎ ከምዝሰግአን ይዝክር።

ኮለኔል ጋዳፊ ንሊብያ ን42 ዓመታት ንኽገዝኡዋ ዘገደደ ሓይሊ እዚ ናይ ሞት ስግኣት እዩ።ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ስሩዕ ናይ መንግስቲ መሓውራት ኣይነበረን።ስቪል ማሕበርሰብ ዝበሃል’ውን ከምኡ።ዓብዱል ቃዲር ሓዳሽ ሊብያ ንምርእይ ተስፍኡ ዓብይ እዩ።

‘’ኩሎም ተዋጋእቲ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ዘይፍለጡን ዘይተምሃሩን ሰባት ኣይኮኑን።ዝተምሃሩን ሰብ ሙያን እዮም።ምሳና ተሰሊፎም ዝዋግኡን ብረት ዝዓጠቑን ዶክተራት ኣለው።ማህንዲሳት ኣለውና።’’ይብል ዓብድል ቃዲር።

ዓብዱል ቃዲር እዞም ሰብሙያ እዚኦም ዕጥቆም ብህፁፅ ኣውሪዶም ሓድሽ ሕብረተሰብ ክሃንፁ እንተጀሚሮም ጥራሕ እዩ እቲ ዝበለፀ ዝብል።እቲ መንእሰይ ንርእሱ ድሕሪ ስርዓት ጋዳፊ ፈነወ ብዝግባእ ምስርሑ ንምርግጋፅ ኣብዚ ሰሙን ናብ ናይ መንግስቲ ተለቪዥን ስርሑ ተመሊሱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG