ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትሪፖሊ፡ ሓይልታት ቓዛፊ፡ ንጸረ-መንግስቲ ሰልፊ በቲኖም


U.S. Secretary of State Hillary Rodham Clinton gestures as she speaks at the Human Rights Council in Geneva, Switzerland, February 28, 2011
U.S. Secretary of State Hillary Rodham Clinton gestures as she speaks at the Human Rights Council in Geneva, Switzerland, February 28, 2011

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ጭፍለቓ ጠጠው ንምባል ዝዓለመ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣመራጽታት ይርኢ`ሎ

ሎሚ ኣብ ትሪፖሊ `ታጆሪ` ዝተባህለ ኸባቢ፡ ኣማኢት ሰባት ኣንጻር መንግስቲ ተሰሊፎም ኔሮም-ግን ሓይልታት ጸጥታ ተቐላጢፎም ናብ`ቲ ቦታ ብምኻድ ከምዝበተንዎም ሮይተርስ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ፈረንሳ፡ ኣንጻር መራሒ ሊብያ ንዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ንምድጋፍ፡ “ምጅማር ግዙፍ ወፍሪ” ዝበለቶ ሕክምናዊ ረድኤት ናብ ምብራቓዊት ኸተማ በንጋዚ ትልእኽ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኻብ ርእሰ-ኸተማ ትሪፖሊ 50 ኪ.ሜ ንምዕራብ ትርከብ `ዛዊያ` ኣብ ቁጽጽር ተቓወምቲ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሕጂ ብ2ተ ሺሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ቓዛፊ ተኸቢባ ከምዘላ ነበርታ ይገልጹ`ለዉ።

ሓደ ላዕላዋይ በዓልስልጣን ሊብያ ድማ፡ ኣንጻር መንግስቲ ሊብያ ንዝተወስደ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ።

ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ናብ ማልታ ሰፊሕ ጻዕሪ ምውጻእ ስደተኛታት ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG