ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሊብያ ንተቃወምቲ መንግስቲ ይወቅዕ'ሎ


ተቃወምቲ መዓመር ቃዛፊ
ተቃወምቲ መዓመር ቃዛፊ

መዓሙር ቃዛፊ ካብ ሃገር ኣይወፅእን፣ሰማእት ኮይነ'የ ዝሓልፍ ይብሉ

እሙናት ወትሃደራት መዓሙር ቃዛፊ ኣብ ትሪፖሊን ካልኦት ከተማታትን መጥቃዕቲ ፀረ ተቃውሞ ኣሓይሎም ኣለው።ገሊኦም ምስክራት ድማ ፕረዚደንት ቃዛፊ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ-ኣፍሪቃ ዕሱባት ወትሃደራት ስሒቦም ኣብ'ቲ ፀረ ተቃወምቲ ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ ይጥቀሙሎም ኣለው ይብሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ፕረዚደንት ቃዛፊ ሎሚ ኣብ ዘስምዕዎ ነዊሕ መደረ ካብ ዓደይ ኣይወፅእን፣ኣብ ክንድኡ ሰማእት ኮይነ ክሓልፍ'የ ዝመርፅ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG