ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሊቢያ ቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ድምፂ ሂቡ


ፓርላማ ሊቢያ ዘይተፃረየ ነዳዲ ዝፀዓነት መርከብ ዓመፅቲ ተቖፃፂሮምዎ ካብ ዝርከብ ወደብ ኣምሊጣ ናብ ዓለምለኸ ማያት ድሕሪ ምእታዋ ንናይታ ሃገር ቀዳማይ ምንስቴር ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ድምፂ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል ፓርላማ ሊቢያ ካብ 194 ኣባላት እቶም 124 ንዓሊ ዘይዳን ናይ እምነት ድምፆም ነፊጎምዎም ኣለው።ሓፈሻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዓሊ ዜይዳን ካብ ናይ ቀዳማይ ምንስተርነት ስልጣኖም ንኽወርዱን ኣብ ክንድኦም ‘’ምንስቴር ምክልኻል ዓብዱላህ ኣል-ሲኒ ሓድሽ ቀዳማይ ምንስቴር ንክኾኑን ወሲኑ’ሎ’’ኢሎም።

እቲ ፓርላማ ትማሊ ከድምፅ ዝወሰነ ባንዴራ ሰሜን ኮሪያ ተንበልብል ዝነበረት ናይ ነዳዲ ፅዕነት መርከብ ካብ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣምሊጣ ናብ ዓለምለኸ ማያት ድሕሪ ምእታዋ እዩ።
መንግስቲ ዜይዳን እታ መርከብ ንኸይትሃድም ብነፈርቲ ንምድብዳብ ሓዊሱ ወታደራዊ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ ዋላ እንተጠንቀቐ እውን ምስ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሓፂር ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ድሕሪ ምግባራ ናብ ዓለምለኸ ማያት ኣትያ ክብል ሓደ ኣዛዚ እቶም ዓመፅቲ ገሊፁ።

እታ መርከብ ዓማፂያን ተቖፃፂሮምዎም ካብ ዝርከቡ ሰለስተ ወደባት ሓደ ካብ ዝኾነ ካብ ኣል-ሲድራ ነቲ ነዳዲ ከምዝፅዓነት ተፈሊጡ’ሎ።

መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኩለን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ዓመፅቲ ዝርከባ ወደባት ኣብ ቁፅፅር መንግስቲ ንኣትዋ ንፍሉይ ሓይሊታት ኣዚዘ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።
ተፈጢሩ ብዘሎ ሽግር ሊቢያ ናብ ወፃኢ ትልእኾ ዝነበረት ነዳዲ ብ80 ምእታዊ ነኪዩዎ’ሎ።
XS
SM
MD
LG