ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምጉዳሉ ተገሊጹ


ሓላፊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝከታተል ክፍሊ ዝኾኑ ጀነራል መሓመድ በሽር

ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምጉዳሉ ሓደ ላዕለዋይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሊብያ ትማሊ ሶኑይ ንኣገልግሎት ዜና AFP ገሊጹ።

ሓላፊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝከታተል ክፍሊ ዝኾኑ ጀነራል መሓመድ በሽር ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ካብ 27,000 ናብ 5,200 ምጉዳሉ ሓቢሮም ።

ንሶም ብተወሳኺ ካብ ወርሒ ግንቦት 2017 ጀሚሩ 20 ካብተን ኣብታ ሃገር ዘለዋ 53 መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምተዓጸዋ ገሊጾም።

ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምጉዳሉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:45 0:00

ጀነራል መሓመድ በሽር እዚ ለውጢ ዝተረኽበ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ንምጥያስ ብዘካየዶ ጻዕርታት ምዃኑ ሓቢሮም።

ድሕሪ ኣብ መደበር ቴሌቭዥን CNN ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ጉዳይ መሸጣ ስደተኛታት ከም ጊልያ ገለ ሃገራት’ውን ዜጋታተን ካብ መዳጎኒ ማእከል ከምዘጣየሳ ሓቢሮም።

ጀነራል መሓመድ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዘለው ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ኤርትራ: ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ንሶም ድማ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍልጦ ዝረኸቡን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ዝጽበዩ ዘለው ምዃኖም ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 48,000 ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለውን ካብኣቶም ካብ 5,000 ክሳብ ፲10,000 ዝኾኑ ኣብዚ ዓመተ 2018 ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዘሎ ኩነታት ዘይ ሰብኣዊ ምዃኑ ክገልጹ ከለው ጀነራል መሓመድ በሽር’ውን ነዚ ይሰማምዕሉ እዮም: መንግስቲ ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ይገልጹ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG