ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝሃደሙ 81 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም


ሰበ ስልጣን ሊብያ ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሃዲሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው 81 ኤርትራዊያን:ኢትዮጵያዊን ሶማልያዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝጥረዙ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ሊብያ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ካብ ኢማም እቲ ካብ ከተማ ቤንጋዚ ብሸነክ ደቡብ ኣብ ትርኸብ ተሓቢኦምሉ ዝነበረ መስጊድ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝተረኽቡ ሓቢሩ።

ሊብያ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊ መንገዲ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 12,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ምቁራጾም ይፍለጥ።

ሊብያ: ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝሃደሙ 81 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

መብዛሕትኦም ካብኦም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ክኾኑ ከለው ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ግን ዕጡቃት ጉጅለታት ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብምቁጽጻሮም ቁጽሪ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይግለጽ።

ሓደ ካብ ሰበ ስልጣን ኢምግ ሬሽ ን ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 5886 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ጥራዞም እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ቁጽሪ 2,912 ክብ ዝበለ ምካኑ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG