ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሊብያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንዝተኸሱ 38 ሰባት ውሳነ ሂቡ


ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ንዝተኸሰሱ 38 ውልቀሰባት ካብ ንሕልፈት ስጋብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ውሳነ ምሃቡ ንቤት ፅሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሊብያ ብምጥቃስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራፅ ብዘይ-ሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምስጋር ብዘይውሑሳት ጀላቡ ዝተጓዓዙ 11 ሰባት ዝበፅሐ ሓደጋ ሞት ስዒቡ ተኸሲሶም ዝፀንሑ ሓሙሽተ ሰባት ንሕልፈት ክፍረዱ ከለው ኣብ ልዕሊ ካልኦት ትሸዓተ ሰባት ድማ ነፍሲ ወከፎም ናይ 15-ዓመት ማእሰርቲን ካልኦት 24 ተኸሰስቲ ድማ ብናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ክቅፅዑ እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ምሃቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

እቶም ተኸሰስቲ ኣካል ናይቲ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ደቂ-ሰባት ዘሰጋግር መርበብ ምንባሮም እንተገለጸ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ግን መዓስ ከምዝተፈፀመን ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታን ኣይሃበን።

ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከምዝበሎ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ንሓደ ተኸሳሲ ንሕልፈት ክፈርድ ከሎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልተ ድማ ነፍሲ ወከፎም ናይ 20-ዓመት ማእሰርቲ ውሳነ ሂቡ ኢሉ።

እታ ብዂናት ዝተሃስየት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ዘይሕጋውያን ኣስገርትን ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ብተደጋጋሚ ብተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ክትንቀፍ ዝፀንሐት ኮይና እዚ ቤት ፍርዲ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ብዝምልከት ኣብ ቀረባ ዝሃቦ ብይን እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG