ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 441 ስደተኛታት ምድሓኖም ገሊጾም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሎሚ ሶሉስን ትማ ሶኑይን 441 ስደተኛታት ብክልተ ስርሒት ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ምድሓኖም ሓቢሮም።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስርሒት ኣድሕን ካብ ዝደሓኑ 324 ስደተኛታት 35 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ 16 ህጻናት ምዃኖም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 441 ስደተኛታት ምድሓኖም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

እቶም ካብ ሃገራት ቻድ፡ኒጀር፡ ማሊን ሊብያን ምኳኖም ዝተገልጸ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ከተማ ዛዊያ ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝተረኽቡ ኽኮኑ ከለው ሞተር ናይተን ተጻዒኖምለን ዝነበረ ጀላቡ ምብልሻው ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 250 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው።

እዚ ብምትሕብባር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ሰበ ስልጣን ሊብያ ዝተዳለወ ፕሮግራም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ናይ ኣየር ቲኬት ብምድላው ይመልሶም።

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፍ ኤጄንሲ ዝሰርሕ ሳልሕ ኣቡ ዳቦስ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል 150 ካብቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሚስትራ ከነብሩን ክሰርሑን ዝጸንሑ ምኳኖምን ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ይምለሱ ከምዘለው ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ እቶም ዝተረፉ 100 ግን ካብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት እታ ሃገር ዝተመልሱ ምኳኖም ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 250 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

ካብ 2014 ዓ,ም ጀሚሩ ልዕሊ 600,000 ስደተኛታት ብሊብያ አቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ክኾኑ ከለው ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ካብ ሊብያ ኢጣልያ ዝበጽሑ ቁጽሪ ስደተኛታት 3,500 ጥራይ ምኳኑ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG