ልዕሊ 95 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንልዕሊ 95 ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ። ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተሳተፈ ዓብድልቓድር መሓመድ “ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንኣስታት 95 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኖም። እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ካብ ሃገራት ዓረብን ዝመጹ እዮም። እቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምርካቦም ናብ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከቡ ማእከል ስደተኛታት ክግዕዙ’ዮም”ኢሎም።
ኢፒሶዳት
-
ነሓሰ 08, 2022
ስርሓት ማሕበር ልምዓት ትግራይ
-
ነሓሰ 04, 2022
ቋንቋ ትግርኛ ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ንምስኻዑ
-
ነሓሰ 03, 2022
ፍቕሪን ኲናትን
-
ነሓሰ 03, 2022
ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ብገለ ወገናት ዝቐርቡ ዕንቅፋታትን