ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ፡ ኣስታት 100 ካብ መዳጎኒ ማእከል ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዘምለጡ ስደተኛታት ከተማ ኩፋራ ምብጽሖም ተሓቢሩ


ሊብያ፡ ኣስታት 100 ካብ መዳጎኒ ማእከል ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዘምለጡ ስደተኛታት ከተማ ኩፋራ ምብጽሖም ተሓቢሩ

መብዛሕትኦም ሶማልያዊያን ዝኾኑ ኣስታት 100 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከል ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከተማ ታዚርቡ ሃዲሞም ናብ ከተማ ኩፍራ ምብጽሖም ተገሊጹ።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ናብ መዳጎኒ ማእከል ከተማ ኩፍራ ከምዝተወስዱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደ ካብቶም ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ዓብደልካዲር ኣብርሃም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓደ ጊዜ ጥራይ ይምገቡ ከምዝነበሩን ዓለምለኸ ትካላት፡ መንግስቲ ሊብያን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነዞም ስደተኛታት ክሕግዙ ይጽውዕ።

ናይታ ከተማ ኣገልግሎት ጥዕና ሓላፊ ዶ/ር ኢስማዒል ኣል ሃይዲ ብወገኑ እታ ከተማ ብዋሕዚ ስደተኛታት ተዕለቕልቕ ከምዘላን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልይ ይገልጹ።

“ኣብዛ ከተማ ኣስታት 60,000 ነበርቲ ኣለውዋ። ብተወሳኺ ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ ኣሎ። ኩላትና ሓደ ሆስፒታል ኢና ንጥቀም ዘለና” ይብል።

ሓላፊ ኣብ ከተማ ኩፍራ ዘሎ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሌተናል መሓመድ ኣል ፋዲል እቶም ስደተኛታት ብሕጽረት ዘተመጣጠነ መግቢ፡ ሕማማትን ኣነሚያን ክሳቀዩ ምጽንሖም ይሕብር።

ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪ ቦታ ኮይና ምጽንሓ እውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG