ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 3ሽሕ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከተማ ሳባርታ ሊብያ ተታሒዞም


ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ካብ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከተማ ሳባርታ ሊብያ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ሰበ ስልጣን ሊብያ ሓቢሮም።

ምቕያድ እቶም ስደተኛታት ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ እቶም ምብጋስ ስደተኛታት ካብ ከተማ ሳባርታ ንምግታእ ብኢጣልያ ዝድገፍ ጉጅለ ዘካየድዎ ኩናት ምዕዋቱ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ንዕጡቓት ዳዒሽ ካብ ከተማ ሳባርታ ንምውጻእ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጥረ ጸረ- ዳዒሽ ሓይሊ ምስ ካልኦት አጋሩ ብምኳን ነታ ከተማ ካብ አል ኡማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጉጅለ ምቁጽጻሩ ሓቢሩ’ሎ።

ልዕሊ 3ሽሕ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከተማ ሳባርታ ምትሓዞም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:36 0:00

ሓላፊ እቲ ጸረ ዳዒሽ ሓይሊ ኣባላቱ ነቲ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከምዝረኸቡ ብምሕባር ኣብቲ ቦታ ዝረኸብዎም ስደተኛታት ልዑል ዝኾነ ሓገዝ ዘድልዮም ብምዃኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሓገዙ ከበርኽት ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሊብያ ጀነራል ዑመር ዓብደክ ጀሊል ንከተማ ሳባርታ ተቆጻጺሮማ ዝነበሩ ዕጡቓት መራሒ ኣል ኡማ ኣሕመድ ዳባሺ ድሕሪ’ቲ ኩናት ነቲ ቦታ ገዲፉ ምስዋሩ ሓቢሩ።

እዚ ብ ኣል ኡማ ዝጽዋዕ ጉጅለ ብመንገዲ ኢጣልያ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ሃገራት ንዋሕዚ ምብጋስ ስደተኛታት ካብ ከተማ ሳባርታ ንምግታእ ስምምዕ ምክያዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ዋሕዚ ካብ ከተማ ሳባርታ ዝብገሱ ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምጉዳልይ ይፍለጥ።

ይኹን ደኣ እምበር እዚ ስምምዕ ኣብ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ናይ ስልጣን ስግኣት ብምፍጣሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኩናት ምልዓሉ’ውን ይዝከር።

ብሰንኪ እዚ ኩናት ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG